ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።” እብ. 4:16
ኣሕዋተይ ጸሎት ካብ ኣምላኽ ዝረኽብናዮ ዘገርም በረኸት ሓደ እዩ። ብጸሎት ምስ ኣምላኽ ንዘራረብ ንራኸብ። ዘገርም ምስጢር እዩ! መንፈስ ምዝኾነ ኣምላኽ ብመንፈስ ንራኸብ። ነዚ እዩ ክንጽልይን ናብ ኣምላኽ ክንቐርብ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ዘድልየና። ጸሎት ምዝራብ ጥራይ እንተዝኸውን ኔሩ ትንፋስ ጥራይ እምበር መንፈስ ቅዱስ ኣይመድለየናን ። ነገር ግን ጸሎት ካብ ዘረባ ሕልፍ ዝበለ ብመንፈስ ምስ መንፈስ ዝኾነ ኣምላኽ ምግጣም ወይ ምርኻብ ስለዝኾነ ደገፍ መንፈስ ቅዱስ የድልዮ። ናብዚ ናይ ኹሉ ፈጣሪን ኣብ ልእሊ ኹሉ ገዛእን መላኽን ዝኾነ ኣምላኽ ዝፋን ምቕራብ ምኽኣል ከመይ ዝበለ ትዕድልቲ እዩ።
ከመይ ጌርና ኢና ናብዚ ዝፋን ጸጋ ንቐርብ?
1.. ብሓጎስ
እግዚኣብሄር ዝፋኑ ዝንፋን ፍርዲውን ከምዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ካልእ ስፍራታት ይነግረና እዩ። () ኣብዚ ክፍሊ ግና ንቕረብ ኢሉ ጸሓፊ እብራውያን ዘተባብዓና ዘሎ ናብ ዝፋን ጸጋ እዩ እምበር ናብ ዝፋን ፍርዲ ኣይኮነን። እዚ ናይ ፍርዲ ዝፋን ዝፋን ጸጋ ዝኾነልና ምኽንያት የሱስ ብዝፈጸሞ መስዋእቲ እዩ። ንሱ ባዕሉ ሊቀ ካህን ኮይኑ ናይ ገዛእ ርእሱ ደም (መስዋእቲ) ብምቕራብ ኣብ ሰማይ ኣብ መቕደስ ስሌና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተራእዩ እዩ። ኣምላኽ ብዘቕረቦ መስዋእቲ ስለ ዝዓገበ ሓንሳእን ንሓዋሩን ሓጥያትና ተደምሲሱ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐባልነት ረኺብና ኢና። ብመስዋእቲ ክርስቶስ መጋረጃ ቤተ መቕደስ ተተርቲሩ ናብ ኣምላኽ ምእታው ምቕራብ ተኻኢሉ። ስለዚ ናብ ዝፋን ጸጋ ኽንቀርብ ከሎና ክርስቶስ ዝገበሮ እናሓሰብና ብሓጎስ ኢና ንኣትው።
ኣብ መንግስቲ ፋርስ ናብ ቤተመንግስት ንጉስ ናብ ዝፋኑ ምእታው ብፍቓድ ንጉስ ንውሕዳት ሰባት ጥራይ እዩ ኔሩ። ኣብ ምድሪ ስጋ ዝለበሰ ነዚ ዕድል ክረኽቦ ሕልፊ ነገር እዩ ኔሩ። ከመይ ዓይነት ዕድሎት እዩ ናብ ልዑል ንጉሰ ነገስታት ጎይታ ኩሉ ዝኾነ ኣምላኽ ምእታው ምኽኣል። መጽሓፍ ብትብዓት ናብዚ ዝፋን ንእተው ይብለና ኣሎ። ደም የሱስ ነዚ ዕድል ኸፊቱልና እዩ፡ ደሙ ድማ ትብዓትና እዩ። ስለዚ ብሓጎስ ንቕረብ።
“ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ተገዝእዎ፣ ኣብ ቅድሚኡ ብእልልታ ምጹ።” መዝ. 100:2
- ብምስጋና
ናብዚ ዝፋን ኽንቀርብ ከሎና ብምስጋና ኢና ንቐርብ። ምኽንያቱ ብየሱስ እንተዘይኮይኑስ ፈጺምና ክንቐርቦ ናብ ዘይንኽእል ኣብ ዘይቅረብ ብርሃናት ዝነብር ኣምላኽ ኢና ንቐርብ ዘሎና። መላእኽቱ ከማን ኣብ ቅድሚ እዚ ዝፋን ገጾም ኸዊሎም ቅዱስ ቅዱስ እናበሉ ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓት እዮም ኣብ ቅድሚኡ ዝድፍኡ፡ ኣምላኽ ንዓና ግና ዝፋን ጸጋ ጌሩልና ብደሙ ትብዓት ረኺብና ክንቐርብ ምኽኣልና ከመይ ልብና ብሞሳ ተመሊኡ ክንመጽእ ዘይገብሮ። ጎይታ ደቀ መዛሙርቱ ጸሎት ምሃረና ምስበልዎ ከምዚ ኢልኩም ጸልዩ ኢልዎም። ኣብ ሰማያት ትነብር ኣቦና ስምካ ይቀደስ በሉ ኢልዎም። ቅድሚ ልማኖና ምቐራብና ክንገብሮ ዘሎና ስም እግዚኣብሄር ምቅዳስን ምምስጋንን እዩ።
ናብ ምድራዊ ንጉስ ቐሪቡ ሞሳ ከይሃበ ዘረባ ዝጅምር መን ኣሎ? ንጉስ ሺሕ ዓመት ግዛእ እናተባህለ እዩ ናብ ዝፋን ምድራዊ ንጉስ’ውን ዝቕረብ። ንሕና ደኣ’ሞ ካብ ፍርሓት ዝነቐለን በሉ ስለዝተባሃልና ዘይኮነስ ኣምላኽ ንዓና ዝገበሮ ፍቅሩ እናረኣናን እናተደነቕናን ኣብ ቕድሚኡ ምዃን ድማ እናኣስተንከረና ኣፍና ብምስጋና መሊእና ናብ ዝፋን ጸጋኡ ንቐርብ እምበር
“አብ ደጌታቱ ብምስጋና፣ ኣብ አጸዱውን ብውዳሴ እተዉ፣ አመስግንዎ ንስሙ ኸኣ ባርኹ።” መዝ. 100
- ብኣኽብሮት
እቲ ዝፋን ዝፋን ጸጋ እኳ እንተኾነ ግና ዝፋን ክብሪ ምዃኑ ድማ ከይዘንጋዕና ብኣኽብሮት ኢና ንቐርብ። እዚ ቕረቡ ኢሉ ምሕረት ጌሩ ብጸጋ ዘቐረበና ጎይታ ኣምላኽ ሰማይን ኣምላኽ ኹሉ ፍጥረትን ምዃኑ ተረዲእና ብዓቢ ኽብሪ ኣብ ቕድሚኡ ንቐርብ። ኣብ ሰማይ ዕስራን ዓርባዕተን ሽማግለታት ኣኽሊላቶም እናደርበዩ ኣብ ቅድሚኡ ዝሰግዱሉ ኣምላኽ ምዃኑ ኹላ ምድሪ ትግዝኦ ሓደ መዓልቲ ድማ ኹሉ ብርኪ ዝምብርኸከሉ ልሳን ኹሉ ድማ ጎይታ ምዃኑ ዝእመነሉ ሲኦል ኣብ ቕድሚኡ ተንቐጥቅጠሉ ጎይታ ምዃኑ እናተረድኣናን እናሓሰብናንን ብኣኽብሮት ኢና ኣብ ቅድሚኡ ንቐርብ።
ጎይታ የሱስ ጸሎት ክምህሮም ከሎ ኣብ ሰማይ እትነብር ኢልኩም ጸልዩ ኢሉ እዩ። ዝፋን ጸጋ ስለዝኾነ ብትብዓት ናብ ጎይታ ክንቐርብ መታን ንጸሎትና ክሰምዕን ክረድኣና’ዉን ዝደልን ዝፈቱን ኣብ ሰማያት ዝነብር ኣቦና እዩ፡ ከምዚውን ኢሉ ኣሎ “መንግስትኻ ትምጻእ” ኢልኩም ጸልዩ። ኣቦና እዩ እዚ ኣቦና ግና መንግስቲ ዘለዎ ኣቦ እዩ። ብለውሃቱ ድሒና ናብ ዝፋኑ ምቕራብ’ዉን ብጸጋ ከምዝኾነልና ብዘይምዝጋዕ፡ ንሱ ንጉስ ነገስታት ፈጣሪ ኹሉ ከምዝኾነ ብምፍላጥ ብኣኽብሮት ኢና ናብ ዝፋን ጸጋኡ ንቐርብ።
“እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ፣ ንሱ ገበረና፣ ባዕላትና ኣይኰንናን፣ ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና።” መዝ. 100፡3
መን እዩ ኣብዚ ዝፋን ዝተቐመጠ?
ጸሓፊ እብራውያን ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ ኢሉና ኣሎ፡ ዝፋን ስለ ዝኾነ ኣብ ልዕሊ እዚ ዝፋን ዝተቀመጠ ኣሎ ማለት እዩ። እቲ ባህ ዘብልን ዘገርምን ድማ ኣብዚ ዝፋን ዝተቐመጠውን ጸጋ እዩ። ሕጊ ብሙሴ መጸ ጸጋን ሓቕን ግና ብየሱስ ክርስቶስ ኣባና ሓደረ። ጸጋ ናብዛ ምድሪ እዚኣ መጺኡ፡ ጸጋ ምስ ሓጥያት ኣብዛ ምድሪ ተራኺቦም ሒዝዎ ናብ መስቀል ደየበ። ኣብ መስቀል ሒዝዎ ደይቡ ኣብ መስቐል ሰሚርዎ፡ ቀቲልዎ፡ ንዘልኣለም ድማ ስዒርዎ ንሱ ብሓይሊ ተንሲኡ፡ ብኽብሪ ዓሪጉ። ሕጂ ጸጋ ንኽሎም ጸላእቱ ስዒሩ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ኣብ ኹሉ ይገዝእ ኣሎ። “ከምቲ ሓጢኣት ብሞት ዝገዝኤ፡ ጸጋውን ከምኡ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ብጽድቂ ንዘለኣለም ህይወት ኪገዝእ እዩ።” ሮሜ 5:21። ሕጂ ብስሙ ናብዚ ዝፋን ዝመጽእ ኹሉ የድሕኖ። “ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ።” እብራ. 7:25
ጸጋ ኣብዚ ዝፋን ስለዝተቐመጠ እዩ ዝፋን ጸጋ ኮይኑ። ኣብ ኸረን ሲና ዝፋን ሕጊ ተገሊጹ ኔሩ። ብሳልሰይቲ መዓልቲ ከምዝግለጽ ብመንገዲ ሙሴ ምስ ህዝቡ ቆጸሮ ኣትሒዙ ክልተ መዓልታት ተቐዲሶም ክዳውንቶም ሓጺቦም ተዳልዮም ተጸብዮሞ። ነገር ግን ድሕሪ ክልተ መዓልታት ምድላውን እንተኾነ እስራኤላውያን ዶብ ተገብረሎም ናብዚ ዝፋን ምቕራብ ኣይተኻኣሎምን። እረ ናብቲ ኸረን ዝቐረበ ሰብ ይኹን እንስሳ ከ ይሙት ተባሂሉ። (ዘጸ. 19:10-13) እግዚኣብሄር ይመስገን ሕጂ ናብ ዝፋን ሕጊ ዘይኮነስ ናብ ዝፋን ጸጋ ኢና ንቐርብ። እቲ ኣብቲ ዝፋን ዝተቐመጠ ድማ ብእምነት ጽድቂ ዝረኸበ ዘበለ ኩሉ ዘይኩንን እዩ። ቀዳማይ ዝፋን ንዝቐረብዎ ኹሉ ዝቐትል ስለዝነበረ እዩ ሕጂ ብትብዓትት ንእቶ ንብሃል ዘሎና። ሕጂ ዝተዘርገሐ ዝፋን ብእምነት ናብኡ ዝቐርቡ ኩላቶም ጸጋ ንምዕዳል ዝተሰርዐ እዩ።
ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ ብትብዓት ንቕረብ
ዝፋን ጸጋ ዝተቐመጦ ኣምላኽ ኹሉ ጸጋ፡ ጸጋ ንምዕዳል ስለዝኾነ ፍታዉ ብትብዓት ናብኡ ንቕረብ ይብለና ኣሎ። ኣይኮነን ብኽርስቶስ ኣሚኑ ብደም የሱስ ካብ ሓጥያቱ ዝጸረየ ኣማኒ፡ ብሓጥያት ተጨማሊቐ በደለይ ክሳብ ሰማይ በጺሑ ኣሎ ኢሉ ገዛእ ርእሱ ዝኾነነ ሓጥያተኛውን ተረኸብና ንብሎ ነገር እዚ እዩ። ንዓ ንሱ ምሕረት ክገብረልካ እዩ ምሕረት ክትረክብ ድማ ናብ ጸጋ ዝፋኑ ቕረብ ኢልና ኢና ብጸሎት ንምርሖ።
ጌጋና ኣሪሙ ናብ ዝሰምዓና – ብትብዓት ንቕረብ
ናብ ዝፋን ጸጋ ምቕራብ ናይ ጸሎት ጻውኢት እዩ። ናይ ኣማኒ ዝዓበየ ጌጋ ዘይምጽላይ እምበር ጌጋ ጸሎት የሎን። ናብዚ ዝፋን ጸጋ ቀሪብና ንጽልዮ ዝተሰባበረ ጸሎትና ንሱ ኣስተካኺሉ ይሰምዖን ይምልሶን እዩ። ኣብ ምድሪ ሰብ ንፍርዲ ክቐርብ ከሎ ሕጊ ንዕኡ ደጊፉ ክፈረደሉ መታን ኩሉ ዘረባኡ ብጥንቓቐ እዩ። ጠበቃ ዝቆጽርውን ኣተዓራርዩ ብዝግባእ ቃላት ንፈራዲ ዳኛ ክዛረበሉ እዩ። እዚ ንሕና እንቐርቦ ኣምላኽ ግና ብስም ክርስቶስ ዝቐርብ ኩሉ ጸሎት ስለ ክርስቶስ ሙሉእን ቅብሉን እዩ። ጸሎት ኣይክእልን ዝብሎ ቃላት ዉን ኣይፈልጥን እየ ኢልና ካብዚ ዝፋን ጸጋ ኣይንርሓቕ። ብዘለና ቃላት ብንፈልጦ ዘራባ ነዛርቦ ንሱ ጌጋና ኣሪሙ ኣስተካኺሉ ይሰምዓና እዩ።
ኣብ ቅድሚኡ ዝስወር የልቦን እሞ ብቅንዕና ንቕረብ
ኣብ ቅድሚ እዚ ዝፋን ክንቐርብ ከሎና ንልብን ኩላሊትን ዝምርምር ኣብ ቅድሚኡ ዝስወር ምንም ከምዘየሎ እናፈለጥና ብቕንዕና ንቕረብ። ሰለሞን ምስ ነገሰ ነዚ ዓብዪ ህዝብኻ እዝስ መን ኪፈርዶ ይኽእል፡ እምበኣርሲ ኣብ ቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ ኽወጽእን ክአቱን ጥበብን ፍልጠትን ሀበኒ ኢሉ ምስ ለመነ። ኣምላኽ ልማንኡ ሰሚዑ ከምዝገብረሉ ክኾነልካ እዩ ኢሉ ክምልስ ከሎ እዚ ኣብ ልብኻ ነበረ ኢልዎ። እቲ እብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ብኣፍና ከይተዛረብና ገና ኣብ ልብና ዘሎ ዝፈልጥ ምዃኑ ኣይንረስዕ። ንንጉስ ኣብ ቤተመንግስቱ፡ ኣብ ዝፋኑ ቐሪቡ፡ ኣብ ገጹ ዝሕስዎ ዶ ኣሎ? ንልመናና ክሰምዕ ከሎ ንግብርና ኣይኮነን ንቅንዕናና እዩ ዝርኢ። እንተደኺምና ደኺምና እንተወዲቕና ወዲቕና ኣሎና እናበልና ከይሓባእና መሓረኒ፡ ደግፈኒ እንተኢልናዮ እተን ዘይደኽማን ዘይሕለላን ኣእዳው ክዝርግሓልና እየን።
ጸሎትና ዝሰምዕ ናይ ቃል ኪዳን ኣምላኽ እዩ እሞ ብእምነት ንቕረብ
እግዚኣብሄር ልዑላዊ ድላዩ ዝገብር ኣምላኽ እኳ እንተኾነ ንዝሃቦ ተስፋ ዝጠልም ቃልኪዳን ዝሰብር ኣምላኽ ግና ኣይኮነን። “ዝለመነ ዅሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ይውሀበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ።” ማቴ. 7:7-8 እዚ ቃል ጎይታ ጸሎትና ሰሚዑ ዘይምልስ ዘይህብ ተዝኸውን ከምዚ ዝበለ ተስፋን ኪዳንን ኣይምተዋህበናን። ሕጂ ግና ተስፋ ሂቡና እዩ ከምቲ ዝሃበና ተስፋ ድማ ፡ ሓቀኛ ጸሎት ብክርስቶስ የሱስ እንተቐረበ ኣምላኽ ይሰምዖ እዩ ።ምኽንያቱ ኣምላኽ ባዕሉ ብቓሉ እሱር እዩ። ቃለይ ካብ ዝሓልፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፉ ይቐልል ዶ ኣይበለን። “ተስፋ ኣምላኽ ዘበለስ ኣብኡ እወ እዩ፡ ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ ብኣና ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብእኡ ኣሜን እዩ።” 1 ቆሮ. 1:20 ስለዚ ብሩኻት ኣሕዋት ዝሃቦ ተስፋ ዘይጠልም ኪዳኑ ዘይሰብር ጎይታ ጸሎትና ከምዝሰምዕ ኣተስፊውና እዩ እሞ፡ ዝለመናዮ ከምንቕበል፡ ዝደለናዮ ከምንረኽቦ ንኹሕኹሖ ማዕጾ ከምዝኽፈተልና ኣሚና ብእምነት ንቕረብ።
መበገሲ ሓሳብ ናይዚ ጽሑፍ ካብ The power of prayer in a Believers life. By Charles Spurgeon. ዝተውሰደ እዩ።
እግዚኣብሄር ይባርኽኩም