ጸጋ ኣምላኽ
ጸጋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ኣዝዩ ኣገዳስን ገፊሕ ትምህርትን እዮ። ጸጋ ምስ ኣምላኽ ካብ ምትሕሓዙ ዝተላዕለ ኣምላኽ ኩሉ ጸጋ ተባሂሉ እዩ። (1 ጴጥ. 5:10) ዝፋኑውን ዝፋን ጸጋ እዩ። (እብ. 4:16) ወንጌልናውን ናይ ጸጋ ወንጌል እዩ። ጳውሎስ ንሰብ ቆሎሴ ወንጌል ዝሰምዕሉ ግዜ ክጠቅስ ከሎ ንጸጋ ኣምላኽ ካብ ዝሰማዕክሙሉ ኢልዎም እዩ (ቆሎ 1:6)።
ጸጋ ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ኣዝዩ ገፊሕ ኣርእስቲ እኳ እንተኾነ ግና ሰለስተ ዓበይቲ ኣርእስቲ ጸጋ ከምዘሎ ኣብዚ ጽሑፍ ክንርእይ ኢና።
- ጸጋ፦ ዘይግባኣና ሞገስ
ብበደልናን ኣበሳናን ምዉታት ዝነበርና፡ ብዝወረስናዮ ሓጥያት ምክንያት ብባህርይና ደቂ ቑጥዓ ዝነበርናን ተስፋ ዘይነበረና ዘልኣለማዊ ፍርዲ ዝጽበየና ዝንበርና ሰባት፡ ኣምላኽ ካብቲ ዓብይ ፍቕሩን ሃብታም ምሕረቱ ዝተላዕለ ብጸጋ ድሕነት ሂቡና። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝነገረና ድማ እዚ ድሕነት ካብ ግብሪ ኣይኮነን እሞ ብእምነት ብጸጋ ኢና ድሒና እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ።
ብጸጋ ካብ ዘልኣለም ጥፍኣትን ኩነኔን ድሒንና። ዘይግብኣና ውህበት ድማ ተቐቢልና ንሱ ድማ ናይ ዘልኣለም ህይወት እዩ። ብፍጥረትና ደቂ ቁጥኣ ዝነበርና ሰባት ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ነቲ ዝለኣኾ ሓደ ወዱ ብእምነት ክንቀብል ከሎና ውሉድ ኣምላኽ ንኸውን። ጸጋ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዝምድና ፈጺሙ ክቅየር ጌርዎ እዩ። ጸላእቱ ርሑቃት ዝነበርና ውሉዱን ቤተሰቡን ጌሩና። ጸጋ ንሓጥያተኛ ሰብ ብባህሪኡ ሓጥያተኛ ዝነበረ ውሉድ፡ ቅዱስ ወራሲ ጌሩ ቀዪርዎ እዩ። ስለዚ እዚ ብሓጺሩ ቀድማይ ገጽ ናይ ጸጋ እዩ። ዘይግብኣና ሞገስ ድሕነት ዘይግብኣና ዝንበረ ህያብ ናይ ዘልኣለም ህይወት ዝረኸብናሉ።
- ጸጋ፦ ህይወት ክርስትና ንነብረሉ
ጸጋ ናብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ዘእተወና ጥራይ ዘይኮነስ ክርስቲያናዊ ናብራ ክነብር ከሎናዉን ዝድግፈና እዩ። ጳውሎስ ኣብ ቲቶስ ከምዚ ኢሉ። “ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ፡” (2:11) ቀጺሉ ኣብ ቁጽሪ12-13 እዚ ናብ ድሕነት ዘምጸኣና ጸጋ ከመይ ጌሩ ተስፋ ኣምላኽ ክብሪ ጎይታና የሱስ እናተጸበና “ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና አሎ።” ጸጋ ኣምላኽ ድሕነት ኣምጺኡልና እዩ። ጸጋ ኣምላኽ ንክርስቶስ እናመሰልና ኣምላኻዊ ህይወት ክንነብር ዝድግፈና እዩ። ናብ ገጽ 2 ይቅጽል . .
ጸጋ ንክርስቶስ እናመሰልና ክርስትያናዊ ናብራ ክነብር ዝድግፈና እዩ። ናብራ ክርስትና ናብራ ጸጋ እዩ። ኣብዛ ምድሪ ዝኸብደና ኩሉ ክንሓልፎ ዘጨንቐና ኩነታት ድማ ስዒርና ክንከይድ ዝገብረና ጸጋ እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ። የሩሳሌም ፈሪሳ ኩሉ ቤተመቕደስ ነዲዱ ህዝቢ ብምርኮ ናብ ባቢሎን እናገዓዘ ከሎ ኣምላኽ ተረፍ ምትራፉ’ውን ካብ ምሕረትን ጸጋን ምዃኑ ዝተረደአ ኤርምያስ ከምዚ ኢሉ። “ምሕረቱ ኣይተወድኤን እዩ እሞ፡ ጥራስ ዘይጠፋእናስ ጸጋ እግዚኣብሄር እዩ።” ድጒዓ 3፥22
- ጸጋ፥– ንኣገልግሎት
ጸጋ ዝደሓንናሉን ኣምላኻዊ ናብራ ክነብር ዝድግፈና ጥራይ ዘይኮነስ ኣገልገልቲ ሓዲሽ ኪዳን ክንከውን’ዉን ከኣልቲ ዝገብረና እዩ። ኣምላኽ ብክርስቶስ ከድሕነና ከሎ ሓደ ናይ ዘልኣላም ህይወት ካልኣይ ክርስቲያናዊ ናብራ ክነብር ሳልሳይ ድማ ኣብ መንግስቱን ቤቱን እነገልግሉ ጸጋ ሂቡና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኩላትና ኣብ ኣካሉ ዝተፈላለየ ጸጋ ከም እተቐበልና ይምህረና እዩ።
ሓደ ነገር ክንፈልጦ ዝግብኣና ድማ ኣምላኽ ጸጋ ዘይሃቦ ኣማኒ የሎን ። ኩላትና ጸጋ ካብ ኣምላኽ ድሮ ተቐቢልና ኢና። ነዚ ዝተቐበልናዮ ውህበት ጸጋ እንታይ ምዃኑ ንፍለጦ። በቲ ዝተቐበልናዮ ጸጋ ድማ ከም ቃል እግዚኣብሄር ከምቲ ኣምላኽ ዝሃበና ሓይሊ ጌርና ነገልግል። እዚ ብምግባርና ድማ “ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ብዅሉ ምእንቲ ኪኸብር፡ ንእኡ ኽብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ይዀኖ። ኣሜን።” 1 ጴጥ 4፥11