Skip to content

“ዎ ጐይታ በጃካ ዘክረኒ።”

January 18, 2025

Book: 1 Kings

“ዎ ጐይታ በጃካ ዘክረኒ።”

ሲምሶን ከኣ፡ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ፡ በጃካ ዘክረኒ። ኣታ ኣምላኸይ፡ ንፍልስጥኤማውያን ሓንሳእ ሕነ እዘን ክልቲኣተን አዒንተይ ክፈድዮምሲ፡ በጃኻ ነዛ ጊዜ እዚኣ ጥራይ ሓይሊ ሀበኒ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ።” መሳ. 16፡28

ሲምሶን ኣምላኽ ዘገርም ጸጋን ሓይልን ዝመልኦ ሰብኣይ እዩ ኔሩ። ብዘሕዝን መንገዲ ግና ምስ ሓጥያት ክጻወት ወዲቑ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ጸጋ ዝደርበየ ሰብ እዩ። ኣብ መወዳእታ ግና ብፍልስጤማውያን ተታሒዙ ሰለስተ ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ከላግጽሉ ካብ’ቲ እተኣስረሉ ቦታ ናብቲ ዝነበርዎ ኣዳራሽ ጸውዕዎ። ሲምሶን ግና ብውድቀት እንተነበረ መወዳእታኡ ኣምላኽ ክጥቀመሉ መታን ናብ ኣምላኽ ነዚ ጸሎት ኣቕረበ “ዎ ጐይታ በጃካ ዘክረኒ።” ብምባል ናብ ኣምላኽ ልማንኡ ኣቕሪቡ። ኣምላኽውን ጸሎቱ ሰሚዒዎ ንሓይሉ ድማ ዳግም ሓዲስሉ እናሞተ እኳ እንተኾነ ንኹሎም መላገጽቱ ቀቲሉ ሞይቱ።

ናይ ብሉይ ኪዳን ናይ እምነት ጀጋኑ ኣብ እብራውያን ዓሰርተ ሓደ ክዝርዘሩ ከለዉ ሲምሶን’ውን ሓደ ካብኣታቶም ኮይኑ ሽሙ ምስቶም ጀጋኑ ተጠቒሱ እዩ። ናብ እብራውያን ምዕራፍ አሰርተሓደ ስሙ ክስመ ዝገበሮ እዚ ጸሎት እመስለኒ። ኣምላኽ ዳግም ዕድል ዝህብ ኣምላኽ እዩ። ሲምሶን ዘበላሸዎ ነገር እኳ እንተሃለዎ ኣምላኽ ግና እንደገና ሓሲብዎስ ከምእንደገና ጸጋኡ ለቒቕሉ። ኣብ ናይ መወዳእታ ክፍሊ ናይ ውድቀት ህይወቱ ንኣምላኽ ዘክረኒ ዝብል ጸሎት ጸሊዩ ድማ ብኣምላኽ ተዘኪሩ መይቱ። መወዳእታኡ ብዘክረኒ እትብል ጸሎት ኣጸቢቕዋ።

ጐይታ የሱስ ክስቀል ከሎ ኣብ መንጐ ክልተ ዓመጽቲ ከምተሰቅለ መጽሓፍ

ቅዱስ ይነግረና። እቲ ሓደ ንገዛእ ርእስኻ ኣድሕን ንዓናውን ኣድሕነና እናበለ የላግጸሉ ነበረ ። እቲ ሓደ ግን ኣብ ከምዚ ዝበለ ፍርዲ ከሎኻ ንኣምላኽ ኣይተፈርሕን ኢልዎ። ንሕናስ

እቲ ሓለቃ ሰንከቲ እንጌራ ግና ኣምላኽ ንዮሴፍ ክሳዕ ዝዝክሮ ንሱስ ኣይዘከሮን። ንሰብ ዘክረኒ ኢልናዮ ክርስዓና ከይዝክረና’ዉ ን ይኽእል እዩ። ንኣምላኽ ዘክረኒ ምስ እንብል ግና ንሱ ዝርስዕ ኣምላኽ ኣይኮነን።

ብበደልና ኢና እዚ ዝበጽሓና ንኣና እዚ ይግብኣና እዩ ንሱ ግና ሓንቲ እኳ ክፉእ ኣይገበረን ኢሉ ነቲ ካልኣዩ ገንሖ። ደሓር ከምዚ እናበለ ናብ የሱስ ልማኖኡ ኣቅሪቡ። “ጐይታይ፡ ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ፡

“ዎ ጐይታ በጃካ ዘክረኒ።”

በሎ።” ጐይታውን ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ በሎ ይብለና መጽሓፍ ቅዱስ። እዚ ሰብኣይ ዘመኑ ሙሉእ እኳ ክፉእ እንተገበረ ኣብ መወዳእታ ሰዓታት ናይ ህይወቱ ግና ዘክረኒ ኢሉ ለሚኑ ተዘኪሩ ድማ። ካብ ሰለስቲኦም ቀዲሙ ዝሞተ የሱስ እዩ ኔሩ ኣብ ገነት ሓሊፉ ጸኒሕዎነዚስሙእኳመንምዃኑ ዘይንፈልጦ ገባሪ ክፉእ መፈጸምታኡ ገነት ጌሩሉ።

ናብ ኣምላኽ ዘክረኒ ኢሉ ዝመጽእ ኩሉ ግዜ ይዝከር እዩ እሞ ዘክረኒ ንበሎ ክዝክረና እዩ።

ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ ኣርብዓ ዮሴፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሎ ንክልተ ሰባት ሕልሚ ፈቲሑሎም ነቲ ሓለቃ ሰንከቲ እንጌራ ፈርኦን ናብ ቀደም ስርሑ ከምዝምለስ ነጊርዎ ክትምለስ ከሎኻ ግና ዘክረኒ ኢሉ ሓቲትዎ። እቲ ሓለቃ ሰንከቲ እንጌራ ግና ኣምላኽ ንዮሴፍ ክሳዕ ዝዝክሮ ንሱስ ኣይዘከሮን። ንሰብ ዘክረኒ ኢልናዮ ክርስዓና ከይዝክረና’ዉን ይኽእል እዩ። ንኣምላኽ ዘክረኒ ምስ እንብል ግና ንሱ ዝርስዕ ኣምላኽ ኣይኮነን። ዘክረኒ ኢሎም ናብ ኣምላኽ ጸሎቶምን ልመናኦምን ንዘስምዑ ኩላቶም ግና ዝዝክር ጐይታ እዩ።

ኣብ ውድቀት ክንከውን ከሎና ክሲ ናይ ሰይጣን ስለዝበዝሓና ናብ ጸሎት ኣይንመጽን ኢና። ክንርስዖ ዘይግባኣና ግና ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ዝገብረና ጸጋን ምሕረት ኣምላኽ እምበር መንነትና ከምዘይኮነ እዩ። ኣብ ውድቀት እንተ ሃሎና ከም ሲምሶን ዘክረኒ ንበሎ ክንዝከር ድማ ኢና። ሲምሶን ካብ’ቲ ጽውዒት ኣምላኽ ኣልጊሱ እዩ ኔሩ፥ ዘክረኒ ብምባል ግና ናብ ቅብኣቱን ጻውዒቱን ተመሊሱ። ከምቲ ኣምላኽ ዝበለና ክንከዉንን ናይ ጐይታ ጻውዒት ክንፍጽምን መታን ሎሚ’ውን በዛ ቃል ናብ ኣምላኽ ንመለስ ንሱ’ዉን ክሰምዓናን ክዝክረናን እዩ’ሞ ዘክረኒ ንበሎ ደኣ ክንዝከር ድማ ኢና።

ብፓስተር ሳምሶን ( ሙሴ ) ክ/ሚካኤል