7 ሓቅታት ጸጋ
1 . ጸጋ ብስራሕ ኣይርከብን
እዚ ሓቂ ካብቲ ካልእ እንብሎ ሓቅታት ጸጋ ኣዚዩ ደሚቑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንረኽቦ እዩ። ነፍሲ ናብ ኣምላኽ ክተእውይ ዝገበራ ዝዓበየ ምኽንያት ብግብሪ ሕጊ ብምፍጻም ምስ ኣምላኽ ክትዕረቕ ዘይምኽኣላ እዩ። ጸጋ ኣብ ሰብ ዘይምክኣል ናብዚ ድኹም ሰብ ተገልጸ። ሰብ ብስርሑ ወይ ብግብሪ ሕጊ ምድሓን ጸጋ ዝረክብ እንተዝኸውን ጸጋ ጸጋ ኣይምኾነን። ብስራሕ ምናልባት ዓስቢ እምበር ህያብ ኣይርከብን። “” ሮሜ 6:23 ህያብ ብስራሕ ክርከብ ዝክእል እንተኾይኑ ብመሰረቱውን ህያብ ኣይኮነን።
ስራሕ ወይ ግብሪ ሰብ ኣብ ዘለዎ ጸጋ ብርግጽ የሎን። ብኻልእ ሸነኽ ድማ ጉዳይ ሓጥያት መልሲ ክረክብ ኔርዎ። የሱስ ናይ ዓለም ኹሉ ሓጥያት ሓንሳብን ንሓዋሩን ከወግድ እዩ መጺኡ ኣብ መስቀል ድማ ነዚ ፈጺምዎ። ኣብ መስቀል የሱስ ፍጹም ሓድሽ ዝኾነ ርክብ ደቂ ሰብን ኣምላኽን መስሪቱ።
ሕጂ ሰባት ንሓጥያቶም ኩሉ ተሰኪሙ ኣብ መስቀል ዝውዓለ የሱስ ብምቕባል ወይ ብእኡ ብምእማን ምስ ኣምላኽ ይዕረቑ ድሕነትን ህይወትን ድማ ይረኽቡ። ካልእ ካብዚ ወጻኢ ምንም ዓይነት መንገዲ የልቦን። ብኸምዚ ዓይነት መንገዲ ናይ ግብሪ ነገር መልሲ ረኺቡ እዩ። ጽድቂ ኣምላኽ ብጸጋ ብነጻ እዩ ዝርከብ። ኣብ ጸጋ ግብሪ የሎን ጸጋ ዘይግብኣና ዝነበረ ግና ኣዚዩ ዘድልየና ምድሓን ብነጻ ዝረኸብናሉ እዩ።
- ጸጋ ንኹሉ ማዕረ እዩ
ጸጋ ንኹላትና ብማዕረ እዩ ጽድቂ ኣምላኽ ወይ ድሕነት ክንረከብ ዝገበረና። ሰብ ብዙሕ ስለ ዝሓጠየ ብዙሕ ጸጋ ወይ ድማ ውሑድ ስለ ዝሓጠየ ውሑድ ጸጋ ኣይተቐበለን። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ጉዳይ ሓጥያት ብማዕረ ንኹሉ ብሓደ እዩ ኣብ መስቀል ቀራንዮ መልሲ ዝረኸበ። ጸጋ ብየሱስ ንዝኣምን ኩሉ ዝተዘርገሐ እዩ። ብምኽንያት ሓጥያት ሕጂ ኣይሓጽርን ገለ ቁሩብ ግብሪ ንዝሓወሰ ብብዝሒ ኣይልቀቅን።
እግዚኣብሄር ንኹሉ ሓጥያትን ምትሕላልፍን ደቂ ሰብ ኣብ መስቀል ግቡእ መልሲ ሓንሳእን ንሓዋሩን ሂብሉ እዩ። ካብ መስቀል ዝተረፈ ሕጂ ሰብ ዝሕግዞን ዝውስኾን የልቦን። ብጸጋ ንኹሉ ሰብ ማዕረ ደገ ምሕረት ተከፊትሉስ ኩሉ ሰብ ድማ ብጸጋ ኣምላኽ ድሕነት ክረክብ ክኢሉ ኣሎ። መምህር ኣይሁድ ዝነበረ ኒቆዲሞስ ዳግም ክውለድ ድሕነት ክረክብ ብየሱስ ክኣምን የድልዮ ኔሩ። ምስ የሱስ እተሰቕለ እቲ ኣመጸኛውን እዚ ድሕነት ክረክብ ብየሱስ ክኣምን የድልዮ ኔሩ። ጸጋ ንኹሉ ብማዕረ ድሕነት ኣምጺኡ።
- ጸጋ ዝኽፈል ዕዳ ሒዙ ኣይመጸን
ጸጋ ዕዳ እንተዝኸውን ኔሩ ጸጋ ኣይምኾነን። ጸጋ ዘይግብኣና ሞገስ ምሕረት እዩ። ጸጋ ካብቲ ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ ኣምላኽ ብነጻ ናባና ዝመጸ እምበር መሊስና እንኸፍሎ ዕዳ ኣይኮነን። ሰባት ብንስሓ ናብ ድሕነት ክመጹ እንከለዉ እቲ ኣብ መስቀል ዝተሓርደ ገንሸል ክብሪ ይረክብ እዩ። ነገር ግን ንሱ ንዝከፈሎ ዋጋ ዝምልስ ምንም ነገር የልቦን ክንመልሰሉ ኣይንኽእልን ፈጺምናዉን ክንከፍሎ ኣይንኽእልን። ስለዚ ጸጋ ንሰብ ዕዳ ኣይኮነን በቃ ጸጋ እዩ።
ጸጋ ብነጻ ዝረኸብናዮ ሞገስ እዩ። ትማሊ ነጻ እዩ ኔሩ ሎምን ክሳዕ ንዘልኣለምዉን ነጻ እዩ። ድሕነት ብጸጋ ኣምላኽ ብዘይ ገለ ግብሪ ሰብ ካብ ኣምላኽ ዝረኽብናዮ እዩ። (ዮሃ. 10:28፡ ሮሜ 6:23) ብተመሳሳሊ ሰብ ንኣምላኽ ከገልግሎ ከሎ ዕዳ ዝመልስ ኮይኑ ክስምዖ የብሉን። ኣገልግሎት ኮነ ካልእ ዝኾነ ንኣምላኽ ዝግበር ነገር ከም ምምላስ ዕዳ ጌርና ተሓሲብናዮ ድሕነት ነጻ ህያብ ብጸጋ እተረኽበ ምዃኑ ንስሕቶ ኣሎና ። ኣገልግሎት ንክርስትያን ንኣምላኽ ዘለዎ ፍቕሪ መግለጺ ድኣ እምበር ዕዳና ነወራርደሉ መንገዲ ኣይኮነን። ድሕነት ዘባት ብዝኸፍልዎ መሊሶም ብዝህብዎ ኣይተመስረተን። እግዚኣብሄር ንሓጥያተኛ ሰብ ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት፡ ብዘይ ግብሪ ሰብ፡ ብዘይክፈል ዕዳ፡ ብልኡላዊ ጸጋ ብነጻ እዩ ኣድሒንዎ።
- ንኣምላኽ እነገግሎ ብጸጋ ጥራይ እዩ
ከምቲ ደጋጊምና ዝበልናዮ ድሕነት ብጸጋ ጥራይ እዩ ዝርከብ። ሰብ ብፍጥረቱን ብግብሩን ሓጥያተኛ እዩ ካብዚ ሓጥያት ክድሕን ጸጋ እግዚኣብሄር ጥራይ እምበር ብኻልእ ምንም ዓይነት መንገዲ ክድሕን ኣይክእልን እዩ። ነቲ ዘይኣምን ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ ድሮ ተፈሪድዎ እዩ። ሰብ ካብዚ ናይ ዘልኣለም ፍርድን ቑጥዓን ድማ ብጸጋ እምላኽ ጥራይ እዩ ዝድሕን (ዮሃንስ 3:18) እቲ በቲ ሓደ ወዲ ብምእማን ዝረኸብናዮ ጸጋውን ንኣምላኽ ብንገብሮ ዝኾነ ዓይነት ግብሪ ወይ ኣገልግሎት ክንከፍሎ ፈጺምና ኣይንኽእልን። ከነገልግል ምኽኣልና መዓየይቲ ኣምላኽ ክንብሃል ምኽኣልናዉን ብጸጋ ጥራይ ዝኾነ ነገር እዩ።
ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ ካብ ግብሪ ኣይኮነን ኢሉ መጽሓፍ ጉዳይ ድሕነትና ፍጹም ብግብሪ ከምዘይርክብ ኣርጊጹ ጽሒፉልና ኣሎ። ምድሓን ብእምነት ብጸጋ ከምዝኾነ ብዘየደናግር መንገዲ ብግልጺ ተጻሒፉልና እዩ። እዚ ድማ ውህበት ኣምላኽ እምበር ካባኻትኩም ኣይኮነን ኢሉዉን ደምዲሙ ዓጽይዎ እዩ። እግዚኣብሄር ብጸጋ ኣድሒኑ ነጻ ውህበት ዝኾነ ናይ ዘልኣለም ህይወት ሂቡ። እዚ ብጸጋ እምላኽ ዝደሓነ ሰብ ነዚ ድሕነት ምስ ረኸበ ክመላለሰሉ ዝግብኦ ኣምላኽ ዘዳለወሉ ሰናይ ግብሪ ይርዳእን ይውሃቦን። (ኤፌ 2:8-10) ነዚ ዝተዋሃቦ ኣገልግሎት ከገልግል ምኽኣል ድማ ባዕሉ ጸጋ እዩ። ብጸጋ እግዚኣብሄር ብጸጋ ክመላለሰሉ ኢሉ ኣምላኽ ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ከኣ ይፍጽም።
- ጸጋ ልውውጥ ኣይኮነን
ጸጋ በቲ ንሕና ንኣምላኽ ንህቦ ኣገልግሎት ኮነ ግብሪ ኣምሳያ እቲ ንሱ ዝሃበና ጸጋ ዝልወጥ ወይ ዝኽፈል ኣይኮነን። ኣምላኽ ዝሃበና ጸጋ ነጻ ህያብ እምበር ልውውጥ ኣይኮነን። መለኮታዊ ድሕነት ካብ ሰናይነትን ምሕረት እግዚኣብሄር ብጸጋ ንሓጥያተኛ ሰባት ብኸምኡ ዝተዓደለ እዩ።
ጸጋ ናይ ህያብ ቋንቋ እምበር ልውውጥ ዘለዎ ናይ ንግዲ ቋንቋ ኣይኮነን። ሰባት ብምላሹ ንኣምላኽ ዝህብዎ ነገር ተሓሲቡ ዝተዋህበ ኣይኮነን። ድሕነት ብጸጋ ካብቲ ወሰን ዘይብሉ እግዚኣብሄር ንደቂ ሰባት ዝተዋህበ ወሰን ዘይብሉ ፍቕሪ ሕያዉነትን ምሕረትን እዩ።
ንሕና ንኣምላኽ ንምኽባርን ንምግልጋልን ብለውጡ ንሱ ብጸጋ ምድሓን ክህበና ዝተገብረ ልውውጥ ኣይኮነን። ልውውጥ ተጌሩ እንተኾይኑ ኣብ መስቀል ዝተገብረ ልውውጥ እዚ እዩ። የሱስ ናይ ደቂ ሰባት ሓጥያት ኩሉ ኣብ መስቀል ወሲድዎ። በዚ ምኽንያት እዩ መጽሓፍ ፍጹም ሓጥያት ዘይፈልጠ የሱስ ኣብ ክንዳና ሓጥያት ገበሮ ዝብለና። ንሱ ሓጥያት ኩሉ ደቂ ሰብ ተሰኪሙ ወሲዱ ብለውጡ ድማ ንሕና መታን ጽድቂ ኣምላኽ ክንረክብ። (2 ቆሮ 5፡20-12)። ንሱ ብጸጋ ድሕነት ሂቡና ካባና ግን ግብሪ ኣይደለየን ወይ ብግብሪ ኣይተለዋወጥናን። ናትና ሓጥያት ግና ብናቱ ጽድቂ እዩ ልውውጥ ጌሩ።
- ጸጋ ንዓና ብነጻ ንጎይታ ግን ክቡር ዋጋ ዘኽፈለ እዩ
ድሕነት ንዓና ብነጻ እዩ መጺኡልና ንኣምላኽ ግና ሓደ ወዱ መስዋእቲ ኾይኑ ክቡር ዋጋ ከፊልሉ እዩ። ንሱ ካብቲ ብብዙሕ ክብሪ በእላፋት መልኣኽቲ ተኸቢቡ ቅዱስ ቅዱስ እናተባህለ ዝምለኸሉ ዝነበረ ክብሩ ሓዲጉ። ሰብ ኮይኑ ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ መጺኡ። ኣብዚ ምድሪ ኣብ ዝተመላለሰሉ ግዜ ብሰባት ዘይምቁራጽ ምጽራር ይገጥሞ ኔሩ። ካብታ መጀመርያ መዓልቲ ኣብ ቤት ጸሎቶም ዝምሃረላ ግዜ ከጽድፍዎ ደልዮም ኩሉ ኣገልግሎቱ ብብዙሕ ምጽራር እዩ ኔሩ። ብድያብሎስ ተፈቲኑ። ኣብ መወዳእታውን ይሰቐል ኢሎም ኣሕሊፎም ሂቦሞ ተገሪፉ ኣብ መስቀል ቀራንዮ ተሰቒሉ። እዚ ኩሉ ዋጋ ዝኸፈለ ፍቕሪ ግዲ ኢልዎ መታን ንሕና ክንድሕን እዩ። ድሕነት ንዓና ብነጻ ብጸጋ ዝረኸብናዮ ንኣምላኽ ኽቡር ዋጋ ኣኽፊሉ እዩ።
ሕጂ ሓደ ሰብ ናብ ጎይታ ብንስሓ ዘይተመልሰ ብሰለስተ ከበድቲ ሓጥያት ተጠርኒፉ እዩ። ቀዳማይ ካብ ኣዳም ብዝወረሶ ሓጥያት ምኽንያት ብፍጥረቱ ሓጥያተኛ እዩ። ካልኣይ ብግብሩውን ሓጥያተኛ እዩ። ሳልሳይ ድማ ነዚ ክቡር ዋጋ ከፊሉ ዝጽውዖ ዘሎ ኣምላኽ ብእምነት ዘይምቕባሉ ዝገደደ ሓጥያተኛ ይገብሮ። ኣምላኽ ኣብ መወዳእታ ንኹሉ ሰብ ዝሓቶ ነዚ ካብ ሓጥያትካ ክትድሕን ዝልኣኽኩልካ የሱስ እንታይ ጌርካዮ እዩ ዝብለና። ብፍጥረቱን ግብሩን ሓጥያተኛ ዝኾነ ሰብ ካብዚ ሓጥያት ብነጻ ከድሕኖ። ብጸጋ ናይ ኣምላኽ ውህበት ክረክብ መታን የሱስ ኣብ መስቀል ተሰቀየ። ድሕነት ብጸጋ ኣምላኽ ንዓና ብነጻ ንኣምላኽ ግና ክቡር ዋጋ ዘኽፈለ እዩ።
- ጸጋ ንምቕባል
ሰብ ነዚ ኣምላኽ ዘዳለወሉ መለኮታዊ ምድሓን ብጸጋ ክቕበል ክገብሮ ዘለዎ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ግልጺ ብዝኾነ ቋንቋ ኣቐሚጡልና እዩ። ስለዚ ሰብ ዘልኣለማዊ ህይወት ክረክብ መታን ሓጥያተኛ ምዃኑ ተኣሚኑ ኣድሕነኒ ኢሉ ናብ ኣምላኽ ብንስሓ ምቕራብ ጥራይ እዩ ዘድልዮ። ዘመኑ ምሉእ ብሓጥያትን ዓመጽን ዘሕለፈ ሮምውን ፈሪዳ ዝሰቐለቶ ባዕሉውን ተኣሚኑ ንሕናስ ብሓጥያትና እዩ ዝበለ ኣብ ጎኒ የሱስ እተሰቕለ ኣመጸኛ፡ በታ ናይ መወዳእታ ሰዓታት ህይወቱ ዘክረኒ ብእትብል ሓንቲ ቃል ጥራይ ዝሓዘት ናይ ንስሓ ልማኖ ተዘኪሩ። ብጸጋ ዝርከብ ናይ ዘልኣለም ህይወት ረኺቡ የሱስውን ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ክትከውን ኢኻ ኢልዎ።
ኣድሕነኒ ኢሉ ብእምነት ናብ ጎይታ ንዝቀርብ ኩሉ ድማ እዚ መለኮታዊ ጸጋ ይረክብ። ካብ ሰብ እምነትን ንስሓን ጥራይ እዩ ዘድልይ ብወገን ኣምላኽ መለኮታዊ ጸጋ፡ ምሕረት፡ ይቕሬታ፡ ህይወት ከምዝርከብ ተስፋ ተዋሂቡና እዩ። ነዚ ድሕነት ተቀቢልና ናብዚ ህይወት ምስ ኣተናውን ኩሉ ግዜ ኣብ ጉዕዞ ሂወትና ካብ ንገብሮ ሓጥያትውን ብጸጋ ኣምላኽ እናነጻህና ንኸደሉ መንገዲ ንስሓ እዩ። መለኮታዊ ጸጋ ብንስሓ እምበር ብግብሪ ኣይርከብን።
ብጸጋ ኣምላኽ ተኸበቡ! ጸጋ ጽገቡ! ብጸጋ ዕበዩ! ካብ ጸጋ ኣይትጉደሉ!
ንኡስ ሓውኹም ሳምሶን (ሙሴ) ገ/ክርስቶስ