Skip to content

The Life of Joseph

January 18, 2025

Topic: Joseph

The Life of Joseph

ህይወት ዮሴፍ

ዮሴፍ – ምስቲ ዝመጽእ መሲህ ዘመሳስሎ ታሪኻት

ዮሴፍ

 

ü  ካብ የህዋቱ እተመርጸ / ብኣቡኡ እተፈትወ።

 የሱስ
ዘፍ 37:5-8 ማቴ 13፡55-57 – ዮሃ 7፡5
ü  ጓሳ
ዘፍ 37፡2 ዮሃ. 10፡11-14
ü  የሕዋቱ ክቐትልዎ ደልዮም  
ዘፍ. 37፡18-19 ማቴ 26፡3-4
ü  ብገንዘብ ተሸይጡ  
ዘፍ. 37፡26-28 ማቴ 26፡14-16
ü  ብሓሶት ተኸሲሱ  
ዘፍ 39፡17-20 ማርቆስ 14፡55-64
ü  ኣብ ማእከል ክልተ ተኸሰስቲ  
ዘፍ 40፡ 4-5 ማቴ 27፡38 ፤ ሉቃስ 23፡39-43
ü  ፈርኦን ዘኽበሮ ባርያ  
ዘፍ. 40፡ 39-41 ፊሊ 2፡8-11
ü  ፈርኦን ሰበይቲ ሂብዎ  
ዘፍ. 41፡45 ቤተክርስትያን መርዓቱ ኮይና።
ü  7 ዓመታት መከራ  
ዘፍ. 41፡54 ፤ ዳን 9፡20-27
ü  ምስ የሕዋቱ ተዓሪቑ  
ዘፍ. 45፡1-5 ፤ ዘካ 12፡10-12
ü  የሕዋቱ ንኩፉእ ዝሓሰብዎ ኣምላኽ ንጽቡቕ ለዊጥዎ።  
ዘፍ. 50፡ 18-20 ፤ ሮሜ 11፡12

 

 

መጽሓፍ ዘፍጥረት

  • 1-11 ናይ ፍጥረት ታሪኽ
  • 12-50 ናይ ኣቦታት ታሪኽ

 

ኣብ ህይወት ዮሴፍ – ቀንዲ ጥቕሲ፦

  • “ፈርኦን ከኣ ንገላውኡ፡ ከምዚ ዝበለ መንፈስ ኣምላኽ ዘለዎ ሰብኣይ ዶኾን ንረክብ፧ በሎም።” ዘፍ. 41፡38
  • “ ንስኻትኩም ንኽፉኤይ ሐሰብኩም፡ እግዚኣብሄር ግና፡ ከምቲ ሎሚ ዀይኑ ዘሎ ኺገብር ብዙሕ ህዝቢ ምእንቲ ኼድሕን፡ ንጽቡቕ ሐሰበ” ዘፍ. 50፡28

 

 

ዮሴፍ ፍትው ወዲ ያቆብ

በሕዋቱ ግና ጽሉእ

ዕላማ ናይዚ መጽናዕቲ፡

 

ቅንኢ ናብ ጽልኢ ኣስጊሩ ንሰብ የዒንቱ የዕዊሩ ንሓዉ ክሳዕ ምቕታልን ናብ ከመይ ዝበለ ክፍኣት ከእቱ ከምዝኽእልን ካብ ቅንኢ ህይወትና ክንሕልው መታን ድማ ካብ የሕዋት ዮሴፍ ክንምሃር።

ከነንብቦ ዝግባእ ክፍሊ፦ ዘፍጥረት  37 ሙሉእ ምዕራፍ።

ኣብዚ መጽናዕቲ እንርእዮም ሰለስተ ቐንዲ ሓሳባት

  • ናይ ዮሴፍ ሕልሚ
  • ናይ የሕዋቱ ጽልኢ
  • ናይ ኣቡኡ ኩነታት

ሓባራዊ ዘተ

  1. ናይ ዮሴፍ ኣተዓባብያ ከመይ ይመስል ኔሩ? ጽቡቕ ነገር እናረኣየ ዝዓበየ ዶ ይመስለካ? ንእግዚኣብሄር ምፍራህ ካበይ ተማሂርዎ ትብል?
  • ንናይ ዬሴፍ ህይወት ብብዙሕ መንገዲ ዝተንከዮ ብዙሕ ነገራት ኣብ ንእስነት ዕድመ ዬሴፍ ተፈጺሞም እዮም። ዮሴፍ ናይ ያቆብን ላባንን ዕግርግር፡ ምስ ሓውኣቡኡ ኤሳውን ኣቡኡ ያቆብ ክራኸብ ከሎ ዝነበረ ኩነታት፡ ካብ ያቆብ ዝወለደለን ኣርባዕቲኤ ኣንስቲ ብፍላይ ድማ ናይ ኣዲኡ ራሄልን ሊያን ቅንእን ባእስን እናረኣየ እዩ ዓብዩ። ከሙኡ ውን ኣብ ንእስነት ዕድሚኡ ዝገጠሞ ሞት ኣዲኡ ኣብ ህይወቱ ዝሓደጐ ነገር ከምዘሎ ንግምት።
  • ኣወንታዊ ብዝኾነ ጐኑ ድማ ናይ ያቆብ ምልዋጥ ኣብ ጰኒኤል፡ ምናልባትውን ካልኦት የሕዋቱ ያቆብ ቅድሚ ምልዋጡ የዕብዮም ስለዝነበረ፡ ብዙሕ ኣፍልጦኦም ቅድሚ ለውጢ ዝነበሮ ህይወት ያቆብ ኽከውን ይኽእል።
  • ብድሕሪ ሞት ኣዲኡ ያቆብ ናብ ገዛእ ርእሱ ብዙሕ ኣቕሪቡ ኣብ ህይወቱ ዝተማህሮ ነገራት እናነገረ ዘዕበዮ ይመስል።

 

  1. የሕዋቱ ንምንታይ ንዮሴፍ ጸሊኦሞ?
  • ኣቡኡ ካብ ኩሎም ፈልዩ ይፈትዎ ስለዝነበረ። 1ዜና 5፡1-2 ብኹርና ካብ ሮቤል ተመንጢሉ ናብ ዬሴፍ ከይዱ። ነዚ ዝገልጽ ፍሉይ ክዳን ንዮሴፍ እተዋህበ ይመስል። በኹሪ ሊያ ሮቤል እዩ፡ በኹሪ ራሄል ከኣ ዮሴፍ እዩ።
  • ነገሮም ናብ ኣቡኡ ይነግር ስለዝነበረ።
  • ብዝረኣዮ ክልተ ሕልምታት ምኽንያት።

 

  1. ያቆብ ንዮሴፍ ንምንታይ ካብ ካልኦት ደቁ ኣብሊጹ ይፈትዎ ኔሩ? ከምኡ ምግባሩ ቅኑዕ ድዮ?
  • ካብታ ዝፈትዋ ዝነበረ ሰበይቱ ራሄል ስለ ዝተወልደ ክኸውን ይኽእል።
  • ክፍኣት ካልኦት ደቁ የጉህዮ ኔሩ ይኸውን። ኣብ ሴኬም ንያቆብ ከየፍለጡ ዝወሰድዎ ሕነ ምፍዳይ፡ ናይ ሮቤል ሓጥያት ናይ ኣቡኡ ዓራት ምድፋሩ፡ ናይ ይሁዳ ሓጥያት (ምዕራፍ 38)። ዝገብርዎ ዝነበሩ ክፉእ እንታይ ከምዝኾነ ኣይተገልጸልናን ነገር ግን ዮሴፍ መጺኡ ይነግሮ ኔሩ።
  • ይስሓቅ ንኤሳው ኣዲኡ ድማ ንዮሴፍ ብምፍታዎም ኣብ ቤቶም ዝመጸ ዕግርግር ቀሊል ኣይነበረን፡ ነዚ ጌጋ ያቆብ’ውን ደጊምዎ።

 

  1. ዮሴፍ ንዝረኣዮ ሕልሚ ነሕዋቱ ክነግሮም ኔርዎ ድዩ?
  • ዮሴፍ ሕልሙ ክነግሮም ከሎ ብትዕቢት ካብኩሎም ኣነ ይበልጽ ብዝብል ስሚዒት ድዩ ዋላስ ኣይኮነን? መጽሓፍ ቅዱስ ዝነግረና ዝርዝር የሎን።
  • ሕልሚ ያቆብ ክልተ ምላሽ እዩ ረኺቡ ፤ ኣቡኡ ነቲ ሕልሚ ይጽበዮ ኔሩ የሕዋቱ ግና ቀኒኦምሉ።
  • ጐይታ የሱስ ወዲ 12 ዓመት ኮይኑ ኣብ ቤት ኣቡኡ ክነብር ከምዝግብኦ ንዮሴፍን ማርያምን ገሊጹሎም። ማርያም ንሱ ዝተዛረቦ ምናልባትውን መላእኽ ገብርኤል፡ እቶም ጓሶትን ሰብ ጥበብን ዝበልዎ ኩሉ ደሚራ እናሓሰበት ትጽበዮ ኔራ። (ሉቃስ 2፡51)

 

  1. ካብ ቁ. 21-26 ሮቤል ሓላፍነቱ ብግቡእ ተዋጺኡዶ ትብል?
  • ሮቤል ከም በኹሪ ሓላፍነት ተሰሚዕዎ ንምድሓን ዮሴፍ እንተፈተነ’ኳ ኣይሰለጦን።
  • ደሓርውን ኣብ ሓሶቶም ሓቢሩ እዩ። ደቂ ያቆብ ዮሴፍ ሞይቱ ኢሎም እንተዘይነገርዎ ደም ለኽዮም ዝሃብዎ ክዳን ዮሴፍ ግን ያቆብ ወደይ ሞይቱ ኢሉ ክድምድም ዝገብሮ እዩ ኔሩ ሮቤልውን ኣብዚ ሓቢሩ እዩ።
  • ሓቂ እናተረድኦ ብብዝሒ ድምጺ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ዝሰድዔ ጲላጦስ ዓይነት መራሒ እዮ ሮቤል።

 

  1. ሳዕቤን ቅንኢ ዘርዝር? ኣብ ካልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ታሪኻት ቅንኢ ዘምጽኦ ሽግራት ዘርዝር።
  • ቅንኢ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝቐናእናሉ ሰብ ብዙሕ ክፉእ ንምግባር ዝድርኽ ክፉእ ሃቀና ዘላዓዕል ሓደገኛ ሕማም እዩ።
  • ቃየል ንሓዉ ኣቤል ቀኒኡ ቐቲልዎ። ሳኦል ንዳዊት ቀኒኡሉ ክቐትሎ ብምድላይ ከሳጉጐ ዘመኑ ብኸንቱ ወዲኡ። ኣይሁዳውያን ካብ ቅንኢ ተበጊሶም ንየሱስ ቐቲልምዎ። ኩሎም ነቲ ዝቐንኡሉ ሰብ ምውጋድ መደምድምታ ሽግሮም መሲልዎም፡ ነቲ ዝቐንኡሉ ሰብ ንምጥፋእ ጽዒሮም ግና ዘይተረድኦምን ኣብ ህይወቶም ዝኾነ መደምደምታ ሽግሮም ዘይኮነስ ጅማረ ናይ ብዙሕ ስዒቡ ዝመጸ ሽግር እዩ ኾይኑ።

 

  1. ካብ ቅንኢ ክንድሕን እንታይ ንግበር?
  • መዝሙር 37
 

ጸሎት ፡ ቅንኢ ንህይወትና ሒዙ ክንወጸሉ ናብ ዘይንኽ እል ክፍኣት ከይሽምመና ካብ ቅንኢ ነጻ ዝኾነ ህይወት ክህልወና ንጸልይ!

 

ዮሴፍ እቲ እሙን ባርያ

ዕላማ ናይዚ መጽናዕቲ፡

 

ዮሴፍ ብእሙንነት እናገልገለ ክነሱ መከራ ግና መጺእዎ። ኣብ ግዜ ፈተና  እንታይ ዓይነት ምላሽ ክንህብ ከምዝግብኣናን ገዛእ ርእስና ከም ዮሴፍ ብኸመይ ከምንገትእን ብንጽህና ክነብር ከምዝግብኣና ክንምሃር።

 

ከነንብቦ ዝግባእ ክፍሊ ዘፍ 39 ምሉእ ምዕራፍ።

ኣብዚ መጽናዕቲ እንርእዮም ሰለስተ ቐንዲ ሓሳባት

  • እሙን ኣገልግሎቱ
  • ገዛእ ርእሱ ምግታኡ
  • ዝተቐበሎ መከራ

 

ሓባራዊ ዘተ

  1. ዮሴፍ ዘይተገበኦ ባርነት ደሓር ድማ ዘይተገበኦ ማእሰርቲ ገጢምዎ ምላሹ እንታይ ኔሩ?
  • ዮሴፍ ስለምንታይ? ብዝብል ሕቶ ገዛእ ርእሱ ብዙሕ ዘናውጽ ሰብ ኣይኮነን የግዳስ ከምኡ ኢሉ ኻብ ምሕታት ሕጂ እንታይ ክገብር? እናበለ ንዝገጠሞ ኩነታት ቅኑዕ ምላሽ ምሃብ ዝፈልጥ ሰብ እዩ ኔሩ ።
  • ዘይተገብኦ ጉድጓድን ዘይተገብኦ ባርነት ዝገጠሞ ዮሴፍ ንምንታይ ዝብል ምረት ኮነ ምግሩምራም ከቕርብ ኣይንርእዮን። ነቲ ዝገጠሞ ኩነታት ተቀቢልዎ ከም ባርያ ስርሑ ጀሚሩ ዝቐንዓሉ ሰብኣይ ኮይኑ።
  1. ኩነታት ዮሴፍ ኣብ ቤት ጲጣፍራ ከመይ ኔሩ?
  • ናይ ባርያ ህይወት ግና እግዚኣብሄር ምስኡ ዝነበረን ኩሉ ዕዩኡ ዝቐንዓሉ ባርያ።
  • ምስ ኣምላኽ ብትኽክል ዘሎ ሰብ ዝገጠሞ ኩነታት ብዘየገድስ ኣምላኽ ምስኡ ስለዘሎ ይቐንዓሉ። ጽቡቕ ንጽጽር(comparism) እዩ: ባርያ ግና ኣምላኽ ዘቕንዓሉ ሰብ።

 

  1. ዮሴፍ ካብቲ ዝገጠሞ ፈተና ክድሕን መታን እንታይ እዩ ጌሩ?
  • ንሓጥያት ሽሙ ቀኒስና ሓጥያት ካብ ምባል እንድሕር ኣጉዲልናሉ ካብ ሓጥያት ኣይንድሕንን። ዮሴፍ ቀዳማይ ነገር ንሓጥያት ሓጥያት ኢልዎ።
  • ኣብ እዋን ፈተናኡ ዳዊት ዝሰኣኖ ነገር ዮሴፍ ኣጥርይዎ ኔሩ። “እንሆ፣ ንሓቂ ኣብ ውሽጢ ኢኻ እትደልዮ፣ ኣብ ሕቡእውን ጥበብ ምሀረኒ።” መዝ. 51፡6
  • ነዚ ዝተቐረበሉ ናይ ሓጥያት ዕድመ ብኽልተ መንገዲ መሊስዎ ንጲጣፍራ ምብዳል ከምዝኾነ ልዕሊኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምሕጣእ ከምዝኾነ ኣጸቢቁ ተረዲእዎን ገሊጽዎን። “ተንሲኤ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፥ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ” ሉቃ. 15፡18
  1. ካብ ዝሙት ሓጥያት ንምድሓን እንታይ ክንገብር ይግብኣና?
  • ካብ ከባቢ ሓጥያት ምህዳም። 2 ጢሞ 2፡22
  • ናይ ርክብ ድሌት ንኹሉ ጥዑይ ሰብ ይመጾ እዩ ግና ንዝመጾ ድሌት ብጌጋ ምእንጋድ እዩ ሓጥያት ዝኸውን።
  • ዮሴፍ ናይ መዓልቲ ዕዩኡ ክፍጽም እዩ ኣትዩ እምበር ምስ ሓጥያት ይጻወት ኣይነበረን። (ቁ. 11) ንዝሙት ክትጋብዞ ከላ ግን ኩሉ ሰብ ክገብሮ ዝግባእ ጌሩ ኣብዩን ሕቶኣ ምስ ቀጸለት ድማ ሃዲሙ።
  1. ናይ ዮሴፍን ናይ ዳዊትን ፈተና ኣነጻጽር? (2 ሳሙኤል 11)
  • ናይ ዳዊትን ዮሴፍን ኩነታት ሓደ ዓይነት ኣይነበረን። ዳዊት ነገስታት ናብ ውግእ ክኸዱሉ ዝግባእ ገዜ ኣብ ገዝኡ ተሪፉ ገዛእ ርእሱ ናብ ፈተነ የእትይዋ ዮሴፍ ግና ናይ ዕለት ስርሑ ክሰርሕ ከሎ እዮ እቲ ፈተነ ዝገጠሞ።
  • ዳዊት ብዛዕባ ባትሴባ እናተነግሮ ጠኒኑ ናብ ሓጥያት ኣትዩ ዮሴፍ ግን ካብ ሓጥያት ሃዲሙ።

 

  1. ዮሴፍ ነቲ ዝገጠሞ ናይ ዝሙት ፈተና ምስ ሓለፈ እንታይ ገጢምዎ? ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣተወ ምላሹ እንታይ ይመስል ኔሩ?
  • ዮሴፍ ነዚ ናይ ሓጥያት ፈተና ምስ ሓለፈ ሽልማት ኣይተዋህቦን ብኣንጻሩ ማእሰርቲ እዩ ገጢምዎ። ካብ ባርነት ናብ ዝገደደ ሽግር ማእሰርቲ ረኺብዎ።
  • ዮሴፍ ብዛዕባ ኣብዚ ፈታኒ ግዜ ናይ ህይወቱ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና።

“ቀቅድሚኦም ሰብኣይ ለአኸ፣ዮሴፍ ከምባርያ ተሸጠ።

ነእጋሩ ብመቚሕ ሳቐዩ፣ነፍሱ አብ ሓጺን አተወት።

ቃሉኽሳዕ ዚፍጸም፣ቃል እግዚኣብሄር ክሳዕ ዚፍትኖ፣” መዝ. 105፡17-19

  1. ዮሴፍ ኣብ ዝኣተዎ ኩሉ ወይ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበሩ ሰለስተ በዓል ስልጣናት (ጲጣፍራ፡ ሓለቃ ቤት ማእሰርቲን ፈርኦን) ሞገስ ክረክብ እንታይ ጌሩ?
  • ዮሴፍ ብቅንዕና ነቲ ዝተዋህቦ ስራሕ ብምስራሕ እምበር ክፈትውዎ መታን ዝገበሮ ነገር ኣይነበረን። ግና ብንጽህና የገግልግል ስለዝነበረ ኩሎም ኣብ ልዕሊኡ ዝነበሩ ሰብ ስልጣናት ዘለዎም ስልጣን ኩሉ ንዮሴፍ ንምሃብ ከይተሰከፉ ኣዚዮም ዘኽብርዎ ሰብ ኮይኑ።
ጸሎት ፡ ኣብ ህይወት ኣብ ዝገጥመና ፈተና ኩሉ ከም ዮሴፍ ብዘይምጉርምራም ንኣምላኽ እናተኣመናዮ ክንሓልፍ ጐይታ ክረድኣና ንጸልይ። ከምኡ’ውን ብንጽህና ክነብር ንጸልይ!!!

 

 

ዮሴፍ እቲ ዝተረሰዐ ባርያ

ከነንብቦ ዝግብኣና ክፍሊ ዘፍ. 40 ምሉእ ምዕራፍ።

ዕላማ ናይዚ መጽናዕቲ፡

 

ዮሴፍ ብእሙንነት እናገልገለ መከራ ግና መጺእዎ። ኣብ ግዜ ፈተና  እንታይ ዓይነት ምላሽ ክንህብ ከምዝግብ ኣናን። ገዛእ ርእስና ከም ዮሴፍ ብኸመይ ከምንገትእን ብንጽህና ከምንነብርን ክንምሃር።

ኣብዚ መጽናእቲ እንርእዮም ሰለስተ ቀንዲ ሓሳባት

  • ማእሰርቲ ዮሴፍ
  • ዮሴፍ ኣብ ሕልሚ ካልኦት
  • ዮሴፍ ኣብ ቤት ማሰርቲ ተረሲዑ።

ሓባራዊ ዘተ

  1. ናይ ዮሴፍ ኩነታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከመይ ኔሩ?
  • እግዚአብሄር ኣብ ቤት ማእሰርቲውን ምስ ዮሴፍ ኔሩ።
  • ኣብ ቅድሚ ሓለቃ ቤት ማእሰርቲ ድማ ሞገስ ረኺቡ ኣገልግሎቱ ቀጺሉ።
  1. ዮሴፍ ናይ ፈርኦን ኣሰላፊ ሜስን ሰንካቲ እንጌራን ዝነበሩ ክልተ ሰባት ብኸመይ ኣገልጊልዎም? እንታይ ዓይነት ሕልሚ ሓሊሞም? እቲ ምፍታሑ እንታይ ኔሩ?
  • ቀዳማይ ነገር ዮሴፍ ገጾም ርእዩ ብዛዕባኦም ዘለዎ ምግዳስ ብምግላጽ ከገልግሎም ተበጊሱ።
  • ነቲ ዝርኣይዎ ሕልሚ ነጊሮም ናይ ክልቲኦም ሕልሚ ብምፍታሕ ድማ ኣገልጊልዎም።
  1. ናይ ዮሴፍ ኣብ ዝኣተዎ ቦታ እሙን ኣገልጋሊ ምዃን ከመይ ከምዝነበረ ዘርዝር?
  • ዮሴፍ ኣብ ቤት ጲጣፍራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንሰብ ከምዘገልግል ዘይኮነስ ንኣምላኽ ከምዘገልግል ጌሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ የገልግል ኔሩ።
  • ዮሴፍ ብንእስነቱ እግዚኣብሄር ሕልሚ ኣርእይዎ ናብዚ ብንእስነቱ ዝረኣዮ ሕልሚ ግን ናይ ሰባት ሕልሚ ብምፍታሕ እዩ ኣትይዎ። ቕድም ናይዞም ክልተ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝረኸቦም ሰባት ደሓር ድማ ናይ ፈርኦን ሕልሚ ብምፍታሕ።
  1. ዮሴፍ ነቲ ኣሳላፊ ሜስ ከዝክሮ ምሕታቱ ጌጋ ኔሩ ዶ? እንታይ ትምህርቲ ተማሂሩ ንሕናኸ ካብዚ እንታይ ንምሃር?
  • ክዝከር ብምሕታቱ ዮሴፍ ብኣምላኽ ክግሰጽ ኣይንርእዮን ኢና።
  • ዮሴፍ ካብ ቤቱ ካብዚወጽእ 10 ዓመት ሓሊፉ እዩ ነቲ ብንእስነቱ ዝረኣዮ ሕልሚ ከመይ ከምዝኸውን ክሓስብ ክጠራጠር ሕቶ ክኾኖ ከምዝኽእል ክንግምት ንኽእል ኢና። ግና ምንም ዓይነት ኣምላኻዊ ዘይኮነ ውሳነ ክወስድ ኣይንርእዮን።
  • ንሰብ ሓቲቱ መልሲ ኣይረከበን ተረሲዑ። ዮሴፍ ኮነ ንሕና ካብዚ ንምሃረሉ ቀዳማይ፡ ኣብ ሰብ ክንውከል ከምዘይብልና። (ኤር. 17፡5-10) ካልኣይ ኩሉ ግዜ ንኣምላኽ ብእምነት ክንጽብዮ ከምዝግባእ ንሱ ንሰብ ከምዘይርስዕ ዝደንጐየ እንተመሰለውን ከምዝመጽእ። (ኢሳ 49፡15-16 ኢሳ 40፡31 ዮሃንስ 11፡40 )
  1. ጽብቕ ዝገበርካሉ ሰብ ውሬታኡ እንተዘይመለሰልካ እንታይ ትብል?
  • መቸም ከም ሰባት መጠን ሕማቕ ክስምዓና ባህርያዊ እዩ። ግና ኩል ግዜ ነቲ ዝገበርናዮ ጽቡቕ ሓሲቡ ዓስብና ዝህብ ጐይታ ምዃኑ ኣይንረሰዕ።
  • ጽቡቕ ንሰባት ክንገብር ከሎና ክምለሰና እናሓሰብና ኣይንግበር። (ሉቃስ 14)
  1. ብኣምላኽ ዝተረሳዕና ክመስለና ከሎ እንታይ ንግበር?
  • ናይ ኣምላኽ መንገዲ ዝበለጸ መንገዲ ምዃኑ ንዘክር። ናይ እግዚኣብሄር ግዜውን ዝበለጸ ግዜ እዩ። ( እብራውያን 12፡11)
  • ብመንገዱን ብግዚኡን ክኾነልና ምጽባይን ምዕጋስን ክንክእል ጸጋ እግዚኣብሄር ንሕተት። (ያቆብ 1፡4)
  • ብጸሎት ምጽባይ። “The secret of waiting for God is waiting on
  1. ንኣምላኽ እተጸበይዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመሃረሎም ንኽእል ሰባት ዘርዝር? ብኸመይ ዓይነት ኩነታት ተጽብይዮሞ? ንኣምላኽ ኣብ ምጽባይ እንታይ ዓይነት ትምህርቲ ንምሃር? ንስኻ/ኺ ኣብ ህይወትካ ንኣምላኽ ኣብ ምጽባይ ኣድኪምካ ዝነበረ ንኻልኦት ንትምህርቲ ክኸውን ተካፍሎ ጉዳይ ኣሎካ ዶ?
  • ሙሴ 40 ዓመታት ኣብ ምድያም በረኻ ንኣምላኽ ተጸብዩ።
  • ዳዊት ንጉስ ክኸውን ካብ ዝቕባእ ክሳዕ ዝነገስ ከም ዮሴፍ ን13 ዓመታት ንኣምላኽ ተጸብዮም።
  • ዘካርያስን ኤልሳቤጥን።

 

ጸሎት ፡ ኩሉ ግዜ ንኣምላኽ ተዓጊስና ክንጽበዮ መታን ንጸልይ!!!

 

 

 

ንግስና ዮሴፍ

ክነንብቦ ዝግብ ኣና ክፍሊ ካብ ዘፍጥረት  41 – 44 ዘሎ ምዕራፋት ብምልኡ።

ዕላማ ናይዚ መጽናዕቲ፡

 

እግዚኣብሄር ዝሃበና ተስፋ ከምዘይተርፍ። ንሕና ግና ብእምነት ክንጽበዮ ከምዝግባእ። የሕዋት ዮሴፍ ነቲ ዝዘርእዎ ከም ዝዓጸዱ ስቅያት ከምዘብዝሑ። ንሰብ ካብ ምብዳል ክንጥንቀቕ ከምዝግብኣና ንምሃር።

ኣብዚ መጽናዕቲ እንርእዮም ሰለስተ ቐንዲ ሓሳባት

  • ሕልሚ ፈርኦን
  • ምእባይ ዮሴፍ
  • ስቅያት የሕዋት ዮሴፍ

ሓባራዊ ዘተ

  1. ናይ ፈርኦን ሕልሚ እንታይ ኔሩ? ትርጉም ሕልሙ ኸ? ዮሴፍ ንፈርኦን እንታይ ክገብር ምዒድዎ?
  • ምዕራፍ 41
  1. እግዚኣብሄር ነህዛብ ይዛረቦም ዶ? / መልእኽቲ ይህቦም ዶ?
  • ብቀጻልነት ከም ደቁ ድምጺ ናይ ምስማዕ መሰል እንተዘይብሎም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግና እግዚኣብሄር ዕላምኡ ክፍጽም ወይ ንደቁ ከጠንቅቕ ክብል እተዛረቦም ኣህዛብ ብዙሓት ኣለዉ። ንኣብራምን ሳራን ኣምላኽ ከጥንቅቕ ክብል ንፈርኦንን ኣቢሜሌኽን ተዛሪብዎም። ኣብ ግዜ ዳንኤል ንነገስታት ባቢሎንን ፋርስን’ውን ተዛሪብዎም። ኣብ ሓድሽ ኪዳንውን ንቆርኖሊዎስ ተዛሪብዎ እዩ።
  1. ናይ ዮሴፍ ናይ ንእስነት ሕልሚ ብኸመይ ተፈጺሙ? እግዚኣብሄር ብንስእነት ዕድሚኡ ንዘርኣዮ ነገር ክውን ናብ ምግባር ብኸመይ ዓይነት መንገድታት ሓሊፉ? ካብዚ መንገድታት ዮሴፍ ከ እንታይ ንምሃር።
  • ካብ ጉድጓድ – ናብ ባርነት ካብ ባርነት ናብ – ቤት ማእሰርቲ ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ቤተመንግስቲ።
  • ዮሴፍ ኣብ ኩሉ ኣምላኽ ዘሕለፎ ንኣምላኽ እሙን ብምዃን ኣገልጊሉ። ኣብ ቤቱ ከሎ ንያቆብ እሙን ወዱ ኔሩ። ኣብ ግዜ ባርነቱ ንጲጣርፍራ እሙን ባርያ ኮይኑ ኣገግሊልዎ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ እሙን ኣገልጋሊ እሱር ኮይኑ የሕሊፍዎ።
  • ኣብቲ ኣምላኽ ዘቐመጦ ኩሉ እሙን ብምዃን ዝተጓዓዞ ጉዕዞ ናብ ዓወት ክበጽሕ ጌርዎ። ክዳኑ ብግፍዒ ክግፈፍ እንተነበረ ኣብ መወዳእታ ግና ክዳን ንግስና ለቢሱ። (ማቴዎስ.
  1. ያቆብ ቤተሰቡ ናይ ምምራሕ ሓላፊነቱ ይፍጽም ዶ ኔሩ? ንቢንያም ዝነበሮ ክንክን ካብ ካልኦት ይዛይድ ዶ ኔሩ? ንምንታይ?
  • ዮሴፍ ቤተሰቡ ከይጠምይ ይሓልይ ኔሩ። እኽሊ ከግዝእ ዝኽእለሉ ገንዘብውን ኣጥርዩ ኔሩ።
  • እቶም ካልኦት ደቁ ዝገበርዎ ክፉእ ንልቡ ዘሕዘንዎ በዚሑ እቲ ልቡ ናብ ወዲ ራሄል ቢንያም ዝኸደ ይመስል።
  • ኣድልዎ ምግባር ግና ኣብ ሓደ ቤተሰብ እንታይ ዕንወት ከምዘምጽእ ኣብ ዘፍጥረት ካብ ዘለዎ ቤተሰባት ርእይና ኣሎና። ኣድልዎ ምግባርውን ጽቡቕ ነገር ኣይኮነን። (ያቆብ 2፡1-9)
  1. ኣብ (43፡28) የሕዋት ዮሴፍ ንዮሴፍ ክረኽብዎ ከለዎ እንታይ ጌሮም?
  2. ዮሴፍ ደጋጊሙ ነሕዋቱ ምፍታኑ ቅኑዕ ድዮ?
  • ዮሴፍ የሕዋቱ ናይ ቀደም ባህሪኦም ምስ ኦም ከምዘሎ ንኽፈልጥ ብዙሕ ፈቲንዎም። ኣብ ፈተናኡ ግና ዝረኸቦ ነገር ከምተለወጡ ዝገበርዎ ጌጋውን የጣዕሶም ከምዘሎ እዩ ተረዲኡ።
  • ከም ቀደሞም ይቐንኡ እንተኾይኖም’ውን ንቢንያም ሓለፋ ብምሃብ ፈቲንዎም የሕዋቱ ግና ናይ ቀደም ቅንኦም ምስኦም ኣይነበረን። ሮቤል’ውን ምስኦም ሓቢሩ ከምዘይነበረ ተረዲኡ። ንሮቤል ሓዲጉ ነቲ ካልኣይ ወዲ ያቆብ ንምኦን ድማ ኣሲርዎ።
  • ምስቲ ዝፈጸምዎ ጌጋ ኣጸቢቖም ክርእይዎ ( ) ጌርዎም።
  • እቲ ብግርህና ሕልሙ ነጊሩ ዝተጐድኤ ዮሴፍ ሕጂ ብሱል ሰብ ኣተሓሳስባ የሕዋቱ ብብዙሕ መንገዲ ዝመዝን ሰብ ኮይኑ። የሕዋቱውን ተለዊጦም ጸኒሖሞ።
  1. ስቅያት የሕዋት ዮሴፍ እንታይ ኔሩ?
  • እዚ ኩሉ ዓመታት ንያቆብ ሓስዮሞ ይነብሩ ኔሮም። ኣብ ዮሴፍ ዝገበርዎ ነገር ኣይነገርዎን ከመይ ምስ ሕሊናኦም ከምዝቃለሱ ክንግምት ንኽእል።
  • ነቲ መሪር ሓዘን ያቆብ እናረኣዩ ይነብሩ ኔሮም። ሓዘን ናይ ዮሴፍ ንያቆብ ብዙሕ እዩ ጐዲእዎ። ደቀይ ኢሉ ዝጽውዖም ንክልተ ደቂ ራሄል እዩ ኔሩ። (44፡27)ሓዘን ናይ ወዱ ዮሴፍ ከመይ ከምዝጐድኦ ባዕሉ ይዛረብ (44፡28) ነዚ ስቅያት ኣቡኦም ያቆብ እናረኣዩ ይነብሩ ኔሮም።
  • ኣብ ግብጺ ከይዶም ዮሴፍ ክፍትኖም ከሎ ኣብ ኣምላኽ የማርሩ ኔሮም። (42፡8)
  • ኣብ መወዳእታውን ዮሴፍ ገዛእ ርእሱ ምስ ገለጸሎም ኣብ ቅድሚኡ ሰምበዱ ክምልስሉ ኣይከኣሉን። (45፡3)
  • ቀሊል መሲሉ ተራእይዎም ዝነበረ ምውጋድ ንዮሴፍ ዘመኖም ኩሉ ኣሳቕይዎም።
ጸሎት ፡ እግዚኣብሄር ዝሃበና ተስፋ እናሓሰብና ንጸልይ!!! ጸኒሑ ንሕሊናና ስቅያት ዝኸውን በደል ከይንብድል ኣምላኽ ክሕልወና ንጸልይ!!!

 

 

 

ይቅረባሓላይ ዮሴፍ

ክነንብቦ ዝግብኣና ክፍሊ ካብ ዘፍጥረት ዘፍ. 45 – 50 ዘሎ ምዕራፋት ብምልኡ።

ዕላማ ናይዚ መጽናዕቲ፡

 

ሰብ ወይ ጸላኢ ንኽፉእ ዝሓሰቦ ኣምላኽ ከመይ ከምዝልውጦን ይቕረ ምባል ኣገዳሲ ጉዳይ ኣብ ህይወት ክርስትና ከምዝኾነን።

ኣብዚ መጽናዕቲ እንርእዮም ሰለስተ ቐንዲ ሓሳባት

  • ዮሴፍን የሕዋቱን
  • ዮሴፍን ኣቡኡን
  • ዮሴፍን ደቁን

ሓባራዊ ዘተ

  1. ያቆብ ንኣብርሃም ዝተዋህበ ናይ ተስፋ ምድሪ ሓዲጉ ናብ ግብጺ ምኻዱ ትኽክል ድዩ ኔሩ?
  • ዘፍ 46፡1-4 ያቆብ ንኣምላኽ ሓቲቱ እዮ ናብ ግብጺ ዝወረደ እምበር ከይሓተተ ኣይወረደን።
  • ያቆብ ብድሕሪ ጰኒኤል ዝተለወጠ ሰብ እዩ ኮይኑ ንኣምላኽ ከይሓተተ ናብ ግብጺ ክወርድ ኣይደለየን። ዝነበረ ኩነታት ጥሜት ዮሴፍ ወዱ ብህይወት ተረኺቡ እናጸወዖ ብድድ ኢሉ ናብ ግብጺ ኣይወረደን ንኣምላኽ ግና ሓቲቱ።
  • ኣብ ቁ. 21 ናይ ምምላሶም ትንቢት ተዛሪቡ እዩ ያቆብ።
  1. ዮሴፍ ንኹሉ ኣብ ህይወቱ ዝኾነ ታሪኽ ብከመይ ተረዲእዎ?
  • ኣምላኽ ንህዝቡ ክምግብ መታት ቀዲሙ ከምዝለኣኾ።
  • እዚ ምርዳእ ነሕዋቱ ምሕረት ክገበረሎም መታን ኣቕሊልሉ። ሮሜ 8፡28

 

  1. ዮሴፍ መዓስ ምሕረት ዝገበረሎም ይመስለካ?
  • ዮሴፍ ምሕረት ከምዝገበረሎም ዝነገሮም ብድሕሪ ዝሃቦም ፈተና እዩ ገዛእ ርእሱ ምስ ገለጸሎም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እንተዘይነገረና እኮ ዮሴፍ ኣቐዲሙ ይቕረ ኢልሎም ከምዝነበረ ኩነታቶም ርእዩ ምሕረት ከምዘይገበረሎም ግና ክንርዳእ ንኽእል።

 

  1. ምሕረት ምግባር ከመይ እዩ?
  • ሀ፣ምምሓር ማለት ንበደል ምርሳዕን ከፉእ ዘይምሕሳብን ማለት እዩ። [1ተሰ 5፣15]።
  • ብውድቀት ጸላኢኻ ዘይምሕጓስ ማለት እዩ። [ምሳ 24፣17 ፤ ሮሜ 12፣20)
  • ዕርቂ ምድላይ ማለት እዩ። [ሮሜ 12፣ 18]
  • ጸላኢኻ ድንገት ከረኽበካ ከሎ ክትሕግዞ ከሎኻ ማለት እዩ። [ዘጸ 23፣5]።
  • ገበን ጸላኢኻ ምሽፋን ማለት እዩ። [1ጴጥ 4፣ 8]

 

  1. ንምንታይ ኢና እንምሕር?
  • ዝተመሓርና ህዝቢ ስለዘኾንና። [ማቴ 18-21-35]
  • ለ፣ምሕረት ምእንቲ ክንረከብ [ያእ 2፣ 12]።
  • ንኣምላኽ ምእንቲ ክንመስል። [1ሳሙ 25፣18
  • እቲ በዳሊና ከማና ድኹም ምዃኑ ስለ እንዝክር

 

6.ዘይምሕር ሰብ እንታይ ይስዕቦ?

  • ዘይምሕር ሰብኣካላዊ ሕማም ከጥሪ ዝከኣል እዩ
  • ምሕረት ዘይገብር ሰብ ካብ ህላውነት ኣምላኽ ይርሕቕ። [ኤፌ 4፣26-27]
  • እቲ ዘይምሕር ሰብ ብዘይ ምሕረት እዩ ዝፍረዶ። [ማቴ 18፣ 34]።
  • ጸሎቱ ይዕገት። [ማር 11፣ 25-26]
  1. ዘይምሕር ሰብ ዘርእዮ ባህርያት እንታይ እዩ?
  • ልክዕ ከምቲ እቲ ዝመሓረ ሰብ ኣብ ናጽነትን ራህዋን  ዝነብር ፣እቲ ዘይምሕር ሰብ ድማ ኣብ መጸቀጥትን ምድረበዳን እዩ ዝሰፍር ።እቲ ዘይምሕር ሰብ ዘርእዮ ባህርያት ነዚ ይመስል።
  • ብዘሎ ሓሳቡ በቲ ዝበደሎ ሰብ ይተሓዝ።
  • እቲ ዝበደሎ ሰብ እንተ-ተዓወተ አይሕጎስን።
  • ብዛዕባ እቲ ዝበደሎ ሰብ በዙሕ ይዛረብ።
ጸሎት፡ንኹሉ ናብ ሰናይና ዝልውጥ ጐይታ እናሓሰብና ነምስግን። ኩል ግዜ ብምሕረት ክነብር መታን ድማ ንጸልይ!!!