Skip to content

Study of Malachi

January 18, 2025

Book: Malachi

Study of Malachi

Peniel Glorious Destiny Church
ትንቢተ ሚልኪያስ
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ክፍሊ ኣገልግሎት ትምህርቲ
2/2/2014

መእተዊ
ኣገዳስነት ትንቢት ሚልክያስ፦ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስና እዩ። እግዚኣብሄር ብቐጥታ ንህዝቡ ዝተዛረበሉ ናይ መወዳእታ ነቢይ እዩ። ብድሕሪ ሚልክያስ ክሳዕ ግዜ ሓድሽ ኪዳን ዘመን መጥምቕ ዮሃንስ ቃል ትንቢታዊ ኣዋጅ ክእውጅ ዝጀመረሉ ግዜ ናይ ጸጥታ ዓመታት እዮም ዝብሃሉ :: እዚ ማለት እ/ር ንህዝቡ ብቀጥታ ብነብይ ዘይተዛረበሉ ዓመታት ማለት እዩ።
ጸሓፋይ፦ መብዛሕቶም ናይ ትንቢት መጻሓፍቲ ክጅምሩ ከለዉ ብዛዕባ እቲ ነብይ ቅሩብ መእተዊ ይህቡ እዮም። ትንቢተ ሚልክያስ ግና ብዛዕባ እቲ ነቢይ ዝተዋህበ ምንም ዓይነት መብርሂ የለን። “ ጾር ቃል እግዚኣብሄር ንእስራኤል ብኢድ ሚልክያስ።” ቁ. 1 ኣብ ካልእ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስውን ብዛዕባ እዚ ነብይ ዝተጻሕፈ ነገር የልቦን። ሚልኪያስ ማለት “መልእኽተኛይ” ማለት እዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምሃራን ሚልክያስ ሽም ናይቲ ነብይ ኣይኮነን ኢሎም ይከራኸሩ። ስለዚ ብዛዕባ ሚልክያስ ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የሎን።
ዝተጻሕፈሉ ግዜን ታሪኻዊ ድሕረ ባይታን፦ እዚ ትንቢት ዝተጻሕፈሉ ግዜ እስራኤላውያን ካብ ስደት ድሕሪ ምምላሶም እዩ። ብዘሩባቤልን … ዝምርሑ ቀዳሞት ካብ ስደት እተመልሱ ቤተመቕደስ ምስራሕ ምስ ጀመሩ: ድሕሪ ቁሩብ ግዜ እቲ ስራሕ ቤተ-ቀመቕደስ ተቛሪጹ። እግዚኣብሄር ንነብይ ሃጌን ዘካርያስን ልኢኹ ነቲ ህዝቢ ኣበርትዖም ስራሕ እቲ ቤተ መቅደስ’ ውን ተወዲኡ። ነህምያ ድማ ነቲ ናይ የሩሳሌም ቀጽሪ ሰሪሑ። እዝራ ድማ ነቲ ህዝቢ ሕጊ ኣምላኽ ምሂሩ።
ሚልክያስ ድሕሪ ዳግማይ ምውዳእ ምስራሕ ቤተ-መቕደስ ነዚ መልእኽቲ ከምዘምጽአ ዘተንብህ ሓሳባት ኣብቲ መጽሓፍ ንረክብ። ንኣብነት እቶም ካህናት ኣብ ቤተመቕደስ ኣገልግሎት ይገብሩ ከምዝነበሩ ኣብዚ መጽሓፍ ንረክብ።
ኣጸሓሕፋ ትንቢተ ሚልክያስ፦ ሚልክያስ ካብ ካልኦት ናይ ትንቢት መጻሕፍቲ ፍልይ ብዘበለ መንገዲ እዩ እቲ ትንቢት ተጻሒፉ። ብመንገዲ ምጉት ማለት(ሕቶን መልስን) እዩ ተጻሒፉ። ኣምላኽ እቲ ህዝቢ ዝብሎ ነገር ብምምጻእ ነቲ ዝዛረብዎ መልሲ እንዳሃበ እዩ እቲ መጽሓፍ እተጻሕፈ።
ቀንዲ መልእኽቲ ትንቢተ ሚልክያስ፦ ቀንዲ መልእኽቲ ናይዚ መጽሓፍ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ዘለዎ ፍቕርን እቲ ህዝቢ ዝሃቦ ምላሽን እዩ። ግብሪ እስራኤል ነቲ ኣምላኽ ፍቕሪ ዝህብዎ ምላሽ ከምዝኾነ በቲ ዝቕርብ ሕቶን መልስን እናኣረድአ ይዛረብ። ከምኡ ድማ ምስ ኣምላኽ ዝኣተዉዎ ኪዳን ክሕልዉ መታን ዘተባብዕ መጽሓፍ እዩ።
ትሕዝቶ፦
I. ልዕለ ጽሑፍ (1፡1)
II. ቀዳማይ ሞገተ፦ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ኪዳናዊ ፍቕሪ ንእስራኤል (1፡2-5)
ሀ. ቀዳምይ ሕቶ፡ “ብምንታይ ኢኻ ዘፍቀርካና ?” (1፡2)
III. ካልኣይ ሞገተ፡ ዘይእሙናት ካህናት ተገሲጾም (1፡6-2፡9)
ሀ. ካልኣይ ሕቶ፡ “ብምንታይ ንስምካ ነዓቕናዮ ?” (1፡6)
ለ. ሳልሳይ ሕቶ፡ “ብምንታይ ኣርከስናካ ትብሉ ?” (1፡7)
IV. ሳልሳይ ሞገተ፡ ዘይእሙናት ህዝቢ ተገሲጾም (2፡10-16)
ሀ. ራብዓይ ሕቶ፡ “ስለምንታይ እዩ …?” (2፡14)
V. ራብዓይ ሞገተ፡ ዝመጽእ ናይ ፍርዲ መዓልትን ምጽራይን (2፡17-3፡5)
ሀ. ሓሙሻይ ሕቶ፡ “ብምንታይ ኢና እሞ ዘድከምናዮ ?” (2፡17)
ለ. ሻድሻይ ሕቶ “ኣምላኽ ፍርዲ ኣበይ ኣሎ ?” (2፡17)
VI. ሓሙሻይ ሞገተ፡ ንንስሓ ዝቐረበ ጻውዒት (3፡6-12)
ሀ. ሻብዓይ ሕቶ፡ “ብምንታይ እሞ ኢና ?” (3፡7)
ለ. ሻሙናይ ሕቶ፡ “ብምንታይ ኢና እሞ ዝሰረቕናካ ?” (3፡8)
VII. ሻድሻይ ሞገተ፡ እስራኤል ንኣምላኽ ገንዘቡ ኮይና ክትሕደስ እያ (3፡13-4፡3)
ሀ. ታሽዓይ ሕቶ፡ “ንስኻትኩም ግና ኣንጻርካ እሞ እንታይ ተዛሪብና ትብሉ ?” (3፡13)
ለ. ዓስራይ ሕቶ፡ “ንስኻትኩምውን፣ ንኣምላኽ ምግልጋል ከንቱ እዩ፣ ስርዓቱ ዝሓሎና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጐይታ
ሰራዊት ድማ ክሊ ተኸዲንና እተመላለስናስ እንታይ ረባሕና∶ በልኩም።” (3፡14)
VIII. ናይ መወዳእታ መተሓሳሰቢ፡ ንሕጊ ሙሴ ዘክሩ። ኤልያስ ክመጽእ እዩ። (4፡4-6)
ትንቢት ሚልክያስ
ቀዳማይ መጽናዕቲ
ልዕለ ጽሑፍ (1፡1)
ቀዳማይ ሞገተ፦ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ኪዳናዊ ፍቕሪ ንእስራኤል (1፡2-5)
ቀዳማይ ሕቶ፡ “ብምንታይ ኢኻ ዘፍቀርካና ?” (1፡2)
ቀንዲ ሓሳብ፡ እዚ ናይ መጀመርያ ሞገተ ኣምላኽ ንእስራኤል ከምዘፍቅራ ብምግላጽ: እዚ ፍቕሪ ድማ ንእስራኤል ኣብ ምምራጹ ከመይ ከም ዝተገልጸ የረድእ።
ዝርዝር መጽናዕቲ
1. ጾር ማለት እንታይ ማለት እዩ? (ቁ.1)
 ኣብዚ ክፍሊ ትንቢት ማለት እዩ። ወይ ድማ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ማለት እዩ።
2. ኤሳው መን እዩ ያቆብከ? (ቁ.2-3)
 ኤሳውን ያቆብን ክልተ መናቱ ደቂ ይስሃቅ እዮም (ዘፍ. 25፡19-34)።
3. ኤዶም መን እዩ?
 ኤዶም ካብ ኤሳው ዝወጹ ደቡባዊ ምብራቕ ናይ ምውት ባሕሪ ዝሓዙ ህዝቢ እዮም። ካብ ሓዉ ያቆብ ዝመጹ ህዝቢ ስለዝኾኑ ድማ የሕዋት እስራኤል ተባሂሎም ይጽውዑ።
4. ኣምላኽ ይጸልእ ድዩ? ንመን ይጸልእ?
 ጽልኢ ዝብል ቃል ኣብዚ ብቃል-ኪዳን ኣገላልጻ እዩ ተጻሒፉ ዘሎ። ኣምላኽ ንእስራኤል (ያቆብ) ምምራጹ ፍቕሪ ከምዘርእይ ዝገልጽ ቃል እዩ።
5. እግዚኣብሄር ንምንታይ ንኤዶም ኣጥፍኣ?
 ኤዶማውያን መንገዲ ኣምላኽ ብምንጻጐም ናይ ኣምላኽ ፍርዲ ተቐቢሎም።
6. ኣምላኽ ከምዘፍቅረካ ብምንታይ ትፈልጥ?
 ኣብዚ ክፍሊ እስራኤል ዝነብርዎ ኩነታት ምቹእ ስለዘይነበረ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ምልክት ሕቶ የእትዮሞ። ናይ ኣምላኽ መልሲ ግና ህዝበይ ክትኰኑ መሪጸኩም እየ:ህዝበይ ክትኰኑ ክመርጸኩም ከለኹ ድማ ፍቕረይ ብእኡ ገሊጸልኩም ዝብል መረዳእታ እዩ ዝህቦም። ንሕና ድማ ብጐይታ የሱስ ዝርከብ ናይ ዘልኣለም ህይወት ምስ ረኸብና በዚ ፍቕሪ ኣምላኽ ንዓና ከም ዝተገልጸልና ክንፈልጥ ይግብኣና። ካልእ ጉዳያት ወይ ነገራት ኣብ ህይወትና ብምዃኖምን ዘይምዃኖምን እዚኦም መዐቀኒ ፍቕሪ ኣምላኽ ንዓና ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም።

ትንቢት ሚልክያስ
ካልኣይ መጽናዕቲ
ካልኣይ ሞገተ፡ ዘይእሙናት ካህናት ተገሲጾም (1፡6-2፡9)
ሀ. ካልኣይ ሕቶ፡ “ብምንታይ ንስምካ ነዐቕናዮ ?” (1፡6)
ለ. ሳልሳይ ሕቶ፡ “ብምንታይ ኣርከስናካ ትብሉ ?” (1፡7)
ቀንዲ ሓሳብ፡ ናይ ሚልክያስ ካልኣይ መልእኽቲ ኣምላኽ ንእስራኤል ንሱ ሓቀኛ አምላኽን ኣቦን ከምዝኾነ ብምግላጽ ንሱ ጥራይ ኣምልኾ ክቕበል ከምዝግባእ ይገልጽ። ቀዳማይ ክፍሊ (1፡6-14) ኣምላኽ ናይ ኣቦነት ክንክን እናገበረሎም ከሎ ደቂ እስራኤል ግን ከም ኣቦ ከምዘየኽበርዎ ይገልጽ። ካልኣይ ክፍሊ (2፡1-9) ካህናት ነቲ ህዝቢ ብዘይምምሃሮምን ጐዶሎ መስዋእቲ ብምምጽኦምን ከምዝተገሰጹ።
ዝርዝር መጽናዕቲ
1. ደቂ እስራኤል እንታይ ዓይነት መስዋእቲ ኣቕሪቦም?
 ዕውርን ሓንካስን ሕሙምን መስዋእቲ ኣቕሪቦም። (1፡8፣ 1፡13)

2. እንታይ ይመባጽዑን እንታይከ ይስዉኡን ኔሮም?
 ተባዕታይ ይመባጽዑ ጐደሎ ድማ ይስውኡ ኔሮም(1፡14)።

3. ነዚ መስዋእቲ ኣምላኽ ብኸመይ ተቀቢልዎ?
 ኣምላኽ ኣይተሓጐሰሎምን ኩሉ መስዋእቶም’ውን ኣይተቐበሎን (1፡10)።

4. ኣብ (1፡11) ዘሎ ትንቢት ተፈጺሞ ዶ?
 እወ ተፈጺሙን ገና ብሕጂውን እናተፈጸመ ዝኸይድ እዩ። እወ ነህዛብ ኩሉ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ኣቦ ምምጻእ ኮይኑ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ስም እግዚኣብሄር ከቢሩ እዩ።
5. ጐዶሎ መስዋእቲ እንታይ ዓይነት እዩ?
 ንእስራኤላውያን ናብ ኣምላኽ ዘምጽእዎ ሓንካስን ዕውርን ሕሙምን እንስሳ። ንዓና ኣብዚ ዘመን ሰንበት ንክልተ ሰዓት ኣምሊኽናዮ ምሉእ ሰሙን ግና ንዕኡ ዘየኽብር ህይወት ክህልወና ከሎ። ግዜናን ጉልበትናን ከምቲ ዝግባእ ንኣምላኽ ዘይምሃብ።
6. ኣምላኽ ንምንታይ ካብ ጐዶሎ መስዋእቲስ መስዋእቲ ብጠቕላላ ይትረፈኒ ኢሉ?
 መስዋእቲ ናይቲ ሰዋኢ ልቢ ስለዘመልክት ኣምላኽ ድማ ካብቲ መስዋእቲ ንላዕሊ ነቲ ልቢ ስለ ዝርእይ።

ትንቢት ሚልክያስ
ሳልሳይ መጽናእቲ
ሳልሳይ ሞገተ፡ ዘይእሙናት ህዝቢ ተገሲጾም (2፡10-16)
ሀ. ራብዓይ ሕቶ፡ “ስለምንታይ እዩ ከኣ ትብሉ ኣሎኹም?” (2፡14)
ቀንዲ ሓሳብ፡ ኣብዚ ክፍሊ ንኹሉ ህዝብን ንካህናትን ዝመጸ መልእኽቲ እዩ። እስራኤል ናይ ኣምላኽ ኪዳን ከምዝጠለሙ እዩ ዝገልጽ። ብኽልተ መንገዲ ንኣምላኽ ጠሊሞሞ: ቀዳማይ ጓኖት ምምርዓዎም ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ንሰበይቲ ንእስነቶም ብምፍታሕ እዩ።
ዝርዝር መጽናዕቲ
1. ይሁዳ ብኸመይ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስ ነገር ኣርኪሱ?
 ጓኖት ብምምርዓዎም (2፡11)።
2. ኣብ (ቁ.13) ኣምላኽ መስዋእቲ እስራኤል ስለምንታይ ኣይተቐበለን?
 ሰበይቲ ንእስነቶም ስለዝጠለሙ(3፡14)።
3. ጓኖት (ካብ እምነትና ወጻኢ ዘለዉ) ሰባት ምምርዓው ሓጥያት ድዩ? ንምንታይ?
 ቃል ኣምላኽ ካብ እምነት ወጻኢ ዘለዉ ከይንምርዓው ይነግረና እዩ። (2.ቆሮ. 6፡14-18) ውጽኢት ካብ እምነትና ወጻኢ ምስ ዘለዉ ሰባት ናይ ምምራዓው ድማ ካብ ናይ ሰለሙን ህይወትስ (1 ነገስት 1፡4) ከምኡውን ካብ ናይ ኣክኣብ ህይወት ክንርእዮን ክንመሃርን ንኽእል (1ነገስት 16፡30)።
4. ፍትሕ ሓጥያት ድዩ? ንምንታይ?
 ኣብ (3፡16) ኣምላኽ ብተሪር ቃል ንፍትሕ ከምዝጸልእ ተዛሪቡ ኣሎ። ሙሴ ኣብ (ዘዳ. 24፡1-4) ብምኽንያት ፍትሕ ክፈቅድ እንከሎ ኣብዚ ክፍሊ ከምቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳንውን የሱስ ዝተዛረቦ አምላኽ ንፍትሕ ይጸልእ (ማቴ. 19፡3-8፤ ዘፍ.2፡24)።
5. ካብ እምነትና ወጻኢ ምምርዓውን ፍትሕን ካብ ምንታይ ይምንጭው?
 ምስ ኣምላኽ ዘሎና ሕብረት እናዘሓለ ክኸይድ ከሎ ኣብ ህይወትና ዝግለጹ ነገራት እዮም::ንኣምላኽ ክጠልም ዝኸኣለ ሰብ ንሰብውን ክጠልም ምኽኣሉ ኣየደንቕን እዩ። እስራኤል ኣብዚ ስፍራ ዘጋጠሞም ማሕበረ-ሰባዊ ውድቀት ካብቲ ኣቐዲሙ ዝራኣናዮ መንፈሳዊ ውድቀት ዝመንጨወ እዩ።

ትንቢት ሚልክያስ
ራብዓይ መጽናዕቲ
ራብዓይ ሞገተ፡ ዝመጽእ ናይ ፍርዲ መዓልትን ምጽራይን (2፡17-3፡5)
• ሀ. ሓሙሻይ ሕቶ፡ “ብምንታይ ኢና እሞ ዘድከምናዮ ?” (2፡17)
• ለ. ሻድሻይ ሕቶ “ኣምላኽ ፍርዲ ኣበይ ኣሎ ?” (2፡17)
ቀንዲ ሓሳብ፦ ራብዓይ መልእኽቲ ሚልክያስ ኣብ ፍርዲ ኣምላኽን ናይ ሰብ ፍርድን ዘተኮረ እዩ። ፍትሒ ኣበይ ኣሎ ዝብል ናይቲ ህዝቢ ሕቶ ዝቐረበሉን እቲ መልእኽተኛ ኣብ (3፡1) ዝተላለየሉን ክፍሊ እዩ።
ዝርዝር መጽናዕቲ
1. ብምንታይ ንኣምላኽ ኣድከምዎ?
 ብቓላቶም ኣምላኽ ኣይፈርድን ብምባሎም (2፡17)።
2. በቲ ናይቲ ህዝቢ ኣረዳድኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰናይ መን እዩ?
 ክፉእ ዝገብር (2፡17) ብእኦም በቶም ክፉእ ዝገብሩ እግዚኣብሄር ባህ ይብሎ ኢሎም።
3. ናይ እግዚኣብሄር መልሲ ነዚ ኣምላኽ ኣይፈርድን ንክፉኣት ባህ ኢልዎ ይርእዮም ንዝብል እንታይ ኔሩ?
 መልእኽተኛኡ ቀቅድሚኡ ከምዝልእኽ መልእኽተኛኡ ስርሑ ምስ ወድአ ድማ ኣምላኽ መጺኡ መቕደሱ ከምዘጽርይ። ከምቲ ኣብ (1፡6-2፡9) ብዛዕባ መቕደሱ እተጠቕሰ ንኽፉእ ከጽርዮ ከምዝኮኾነ (3፡2-4)። ናይ ኣምላኽ ምግላጽ ነታ ምድሪውን ከምዘጽርያን ፍርዲ ከምዘምጽእን (3፡5-6) ይምህር።
4. ንመን እዩ እዚ ልኡኽ ኣምላኽ ዝብል ቃል ዘመልክት?
 ቀቅድሚ ጐይታ የሱስ ዝመጸ ንዮሃንስ መጥምቕ የመልክት (ኢሳ. 40፡3-5፤ ሚል.4፡5-6፤ ማቴ.11፡10፤ ማር.1፡2፤ ሉቃ.7፡27)።
5. ናይ ዮሃንስ መጥምቕ ኣገልግሎት ከመይ ኔሩ?
 ብትብዓት መንገዲ ጐይታ ከቅንዑ ክሳዕ ብሞት ዝሓልፍ ሰቢኹ ።
 ተመለሱ መንግስቲ ኣምላኽ ቀሪባ ኣላ ዝብል ናይ ንስሓ ስብከት ሰቢኹ።
 ኣብ በረኻ ዝእውጅ ድምጺ ኔሩ ኣብ ቤተ መቅደስ ኮይኑ ይሰብኽን ይምህርን ኣይነበረን።
6. ንእግዚኣብሄር ምፍራህን ንጥቑዓት ምድንጋጽን እንታይ ዝምዕደና ኣለዎ?
 (3፡5) ንእግዚኣብሄር ዘይፈርህ ሰብ ንመበለትን ዘኽታምን ይገፍዕ: እቲ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ግና ይድንግጽ።
7. ንእግዚኣብሄር ምፍራህና ብምንታይ መገዲ ክግለጽ ይግብኦ?
 ንሰብ ምስ ኣምላኽ ክተዓርቅ ካብ ፍርዲ ኣምላኽ ከምልጥ መታን ወንጌል ብምንጋር። ዋጋኳ የክፍለና እንተኾነ ከም ዮሃንስ መጥምቕ ዋጋ እናኸፈልና ወንጌል ብትብዓት ክንሰብኽ ይግብኣና። ወንጌል ( ) የምጽእ እዩ።
 ንዝተገፉዑን ሓገዝና ንዘድልዮምን ኣማቐልቲ ብምዃን።

ትንቢት ሚልክያስ
ሓሙሻይ መጽናዕቲ
ሓሙሻይ ሞገተ፡ ንንስሓ ዝቐረበ ጻውዒት (3፡6-12)
ሀ. ሻብዓይ ሕቶ፡ “ብምንታይ እሞ ኢና ንምለስ በልኩም?” (3፡7)
ለ. ሻሙናይ ሕቶ፡ “ብምንታይ ኢና እሞ ዝሰረቕናካ ትብሉ?” (3፡8)
ቀንዲ ሓሳብ፦ ናይ ሚልክያስ ሓሙሻይ መልእኽቲ ምስቲ ቀዳማይ መልእኽቲ (1፡2-5) ዝመሳሰል እዩ። ኣምላኽ እሙን ኣምላኽ ዘይለዋወጥ ምዃኑን እዚ እሙን ኣምላኽ ንህዝቡ ዘቐረቦ ናይ ምምላስን ናይ ንስሓ ዕድልን እዩ ኣብዚ ክፍሊ ንረኽቦ። ከምቲ ዘምልኽዎ ኣምላኽ እሙን ዝኾነ ንሳቶምውን እሙናት ክኾኑ ብፍላይ ድማ ብዕሽሮም እሙናት ኮይኖም ኣብ ምሃብ።
ዝርዝር መጽናዕቲ
1. እግዚኣብሄር ናባይ ተመለሱ ዝብሎም ብምንታይ መገዲ ክመለሱ እዩ ዝሓቶም?
 ዕሽሮም እሙናት ኮይኖም ብምሃብ።
2. ዕሽር ማለት እንታይ ማለት እዩ?
 ዕሽር ማለት ካብቲ ኣምላኽ ዝህበና እቶት ዓሰርተ ሚእታዊት ክንህብ ከለና ዕሽር ይብሃል።
3. ዕሽር ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣሎ ድዩ?
 ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብቀጥታ ዕሽር ክንህብ ዝምህር ክፍሊ የሎን ኹሉ ዘሎና ንኽብሪ ኣምላኽ ክንገብሮ ግና ይምህረና እዩ (1ቆሮ.10፡31,ሮሜ8:12)። ከምኡዉን ንዕሽርን ምሃብን ኣይቃወምን እዩ። (ማቴ. ሉቃ.) ዕሽር ኣብ ሓድሽ-ኪዳን ከም መጀመሪና ንህቦ ኾይኑ ኣምላኽ ጸጋ ብዘብዝሓልና እናወሰኽና ንኸይድ።
4. ዕሽር ክንህብ ኣሎና ዶ?
 ኣብ ዘፍጥረት (14፡18-20) ኣብርሃም ንመልከጸዲቅ ዕሽሩ ኣቕሪቡ። ንእስራኤል ዝተዋህቦም ሕጊ ዕሽር ክህቡ ይእዝዝ (ዘሌ.27፡30-33፤ ዘዳ.14፡22)
5. ንምንታይ ንህብ?
 ክንህብ ከሎና ኣምላኽ ንህይወትና ከምዝባርኽ ኣብዚ ክፍሊ ሚልክያስ(3:10) ከምኡውን ኣብ ሓድሽ ኪዳንውን ዝተዋህበና ተስፋ እዩ(2 ቆሮ.9፡8-11)። ልዕሊ ኩሉ ግና ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት ንገልጸሉ መንገዲ እዩ ምሃብ።
 እስራኤል ንፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ (1፡2-5) ከምዝራኣናዮ ንጽድቂ/ፍርዲ ኣምላኽ ኣብ (2፡17) ከም ሕቶ እንተኣምጽእዎ ኣምላኽ ግና ኣይተለወጠን (3፡6) ስለዘይተለወጠውን እዮም ዝነብሩ ዘለዉ። ካብቲ መጺእዎም ዘሎ መርገም ክድሕኑ መታን ናብቲ ዝደልይዎ ናይ በረኸት ህይወት ክኣትዉን ክምለሱሉን ዝግባእ መንገዲ ድማ ዕሽር ምሃቦም ከምዝኾነ ገሊጽሎም(3፡8-12)።

ትንቢት ሚልክያስ
ሻድሻይ መጽናዕቲ
ሻድሻይ ሞገተ፡ እስራኤል ንኣምላኽ ገንዘቡ ኾይና ክትሕደስ እያ (3፡13-4፡3)
ሀ. ታሽዓይ ሕቶ፡ “ንስኻትኩም ግና ኣንጻርካ እሞ እንታይ ተዛሪብና ?” (3፡13)
ለ. ዓስራይ ሕቶ፡ “ንስኻትኩምውን፣ ንኣምላኽ ምግልጋል ከንቱ እዩ፣ ስርዓቱ ዝሐሎና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ድማ ክሊ ተኸዲንና እተመላለስናስ እንታይ ረባሕና∶ በልኩም።” (3፡14)
ቀንዲ ሓሳብ፦ ሻዱሻይ መልእኽቲ ክልተ ሕቶን ክልተ ዝተፈላለዩ ግና ዝዛመዱ ዘረባታት ዝሓዘ መልእኽቲ እዩ። ቀዳማይ ብዛዕባ ንኣምላኽ ምግልጋል ዝቐረበ ክኸውን ከሎ (3፡13-18) እቲ ኻልኣይ ድማ መፈጸምታ ንኣምላኽ ዝፈርሕን ዘይፈርሕን ሰብ እንታይ ከምኾዝነ ይገልጽ (4፡1-3)።
ዝርዝር መጽናዕቲ
1. ኣንጻር ኣምላኽ እንታይ ተዛሪቦም?
 ንኣምላኽ ምግልጋል ከንቱ እዩ ስርዓቱ ምሕላውን ረብሓ የብሉን ኢሎም (3፡14)።
2. ንኣምላኽ ዝፈርሁ ግና እንታይ ጌሮም?
 ነንሓድሕዶም ተዘራሪቦም ዘረብኦም ድማ ካብቶም ንኣምላኽ ዘይፈርሑ ወይ ምግልጋሉ እንታይ ይጠቅም ዝበሉ ዝተፈልየ ከምዝነበረ ግልጺ እዩ(3፡16)።
3. ናይ እግዚኣብሄር ምላሽ እንታይ ዝብል ኔሩ?
 እግዚኣብሄር ጽን ኢሉ ሰሚዒዎም ንመዘከርታኦም ዝኸውን መጽሓፍውን ጸሓፈ(3፡16)።
4. ኣብ መንጐ ንኣምላኽ ዝፈርሁን ዘይፈርሁን እንታይ ዓይነት ፍልልይ ክገብር እዩ?
 ኣምላኽ ነቶም ዝፈርህዎ ይሰምዖም ኣገልግሎቶም ይዝክር ገንዘቡ ይገብሮም(3፡16-18)። ነቶም ዘይፈርህዎ በታ ንሱ ዝፈርደላ መዓልቲ ድማ ይፈርዶም (4፡1-3)
5. ኣብ ቁ. 16 ዘሎ መጽሓፍ መዘከርታ እንታይ እዩ?
 ኣምላኽ ነቶም ብእሙንነት ዘገልግልዎ ሰባት ይዝክር እዩ ዝተረስዑ እንተመሰሉ እኳ ኣምላኽ ግና ንዘገልግልዎ ስርስዕ ኣምላኽ ኣይኮነን። (እብራ.6፡9-10)
6. መዓልቲ ጐይታ ከመይ እያ እትመስል?
 ነቲ ንኣምላኽ ዘይፈርህ መዓልቲ ጸልማት መዓልቲ ጥፍኣት (4፡1)።
 ነቶም ንኣምላኽ ዝፈርሁ ግና መዓልቲ ብርሃንን መዓልቲ ሓጐስን (4፡2-3)።
7. ንምንታይ ንኣምላኽ ንነብርን ነገግልን?
 ኣምላኽ ዝገበረልና ብዙሕ እዩ ካባና ዝደልዮ ድማ ከነገልግሎን ምላሽ ፍቕሪ ክንህብ ስለዝግባእ። ኣምላኽ መዓልቲ ድማ ስለዝመጽእ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኩሉ ዝገሓደሉ ኣምላኽ ብግልጺ ዝከፍለሉን።

ትንቢት ሚልክያስ
ሻብዓይ መጽናዕቲ
ናይ መወዳእታ መተሓሳሰቢ፡ ንሕጊ ሙሴ ዘክሩ። ኤልያስ ክመጽእ እዩ። (4፡4-6)
ቀንዲ ሓሳብ፦ ኣብ መጠቓለሊ ናይዚ መጽሓፍ እቲ ነብይ ዘቕረቦ መተሓሳሰቢ ንሕጊ ሙሴ ክዝክሩን ኤልያስ ከምዝመጽእ ተስፋ ብምሃብ እዩ ዘጠቓልል። ሙሴን ኤልያስን ክልተ ሞዴላት ናይ ሕግን ነብያትን (ማቴ. 17፡1-4) መጽሓፍ ሕግን መጽሓፍ ነብያትን ክኽተሉ ዝቐረበ መተሓሳሰቢ እዩ።
ዝርዝር መጽናዕቲ
1. እንታይ ክዝክሩ የተሓሳስቦም ኣሎ?
 ሕጊ ኣምላኽ (4፡4)።
2. ቅድሚ እታ ዓባይ መዓልቲ መን ክመጽ እዩ? እንታይከ ይገብር?
 ነብይ ኤልያስ ንልቢ ኣቦታት ናብ ደቂ፣ ልቢ ደቂ ድማ ናብ ኣቦታት ኪመልስ እዩ (4፡5-6)።
3. ኣምላኽ ብኸመይ መንገዲ ንምድሪ ይወቅዓ?
 ንምድሪ ብዘጽንት መርገም (4፡5)።
4. እዚ ኣብ (3፡1) ዝተጠቕሰ መልእኽቲ ኣዛሚድካ ብምርኣይ መንእዩ እዚ መልእኽተኛ?
 ቀቅድሚ ጐይታ የሱስ ዝመጸ ዮሃንስ መጥምቕ።
5. ኣብዘን ጥቕስታት ኤልያስ እንደገና ከምዝትንስእ ድዩ ዝምህረና?
 ቅድሚ መዓልቲ ጐይታ ኤልያስ ክመጽእ እዩ ኢሎም ዝኣምኑ ሰባት እኳ እንተነበሩ የሱስ ግና ብዮሃንስ ምምጻእ እዚ ትንቢት ከምዝተፈጸመ ገሊጹ እዩ (ማቴ.11፡7-15፤ 17፡10-13)።
6. ናብ ኣምላኽ ምምላስ እንታይ ረብሓ ኣለዎ?
 ካብ መርገም ወይ ካብ መቕጻዕቲ ናይ ሓጥያት የድሕን።
 ናብ ኣምላኽ ምስንምለስ ኣብ መንጐ ሰባትውን ጽቡቕ ዝምድና ይህልው።
7. ናይ ሙሴ ሕጊ ዘክርዎ ማለት እንታይ ማለት እዩ?
 ኩሉ ዝተዋህበ መምርሒታት መታን ክነብሩሉን ክኽተልዎን እዩ ዘክርዎ ዝብሎም።
 ኩሉ ናይ እስራኤል ሽግር ዝመጸ ካብ ቃሉ ብምውጽኦም ስለዝነበረ ናብ ቃሉ ናይ ምምላስ ጻውዒት እዩ መጺእሎም።
 ኣምላኽ ነታ ምድሪ ብመርገም ከይወቅዓ ቁ.6 ንሱ (ኤልያስ) ንልቦም ክመልስ ክገብር እዩ ቁ.5። ቁ.6 ምስ ቁ.5 ኣተሓሒዝና ከነንብቦ ይግባእ።

መጠቃለሊ።